-->

 

ናይ 1973 ዝነበረ ምንቅስቓስ


ወርሒ 10/ 1973 ናይ 1973 ዝነበር ምንቅስቓስ ብከምዚ ኣገባብ ይጅምር* በራኺ ፈንቅል ጸጋይ ቀሺ ኣድሓኖም ኢሰያስ ተወልደብርሃን ኮይኖም ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ከምዚ ይብልዎ፡- እዚ ኵሉ ኩነታት ኣምጺእዎ ዘሎ ሰለሙን ወልደማርያም ኢዩ። ምኽንያቱ ካብ ቀደም ጅሚሩ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ኣውራጃ


ወርሒ 10/ 1973
ናይ 1973 ዝነበር ምንቅስቓስ
ብከምዚ ኣገባብ ይጅምር*
በራኺ ፈንቅል
ጸጋይ ቀሺ
ኣድሓኖም
ኢሰያስ ተወልደብርሃን

ኮይኖም ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ከምዚ ይብልዎ፡- እዚ ኵሉ ኩነታት ኣምጺእዎ ዘሎ ሰለሙን ወልደማርያም ኢዩ። ምኽንያቱ ካብ ቀደም ጅሚሩ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ኣውራጃ ምንቅስቓስ ሕጂ’ውን ጀሚርዎ ኣሎ። ስለዚ ንህ ዘሎና ኩሉ ክንፍድሖ ኢና። ኣጋጣሚ ኮይኑ ከአ ሽጋራ ስለ ዝተኸልከለ፤ ነቶም ደቂ ሰራየን ደቂ ኣከለጕዛይን ብሽጋራ ይሰብኮም፣ ንቶም ደቂ ሓማሴን ከአ ብኣውራጃውነት ይሰብኮም ኣሎ። ስለዚ ንሕና በብእንፈልጠሉ ክንፍድሖ ኢና። ህዝቢ ከኣ ምንም’ኳ ከይፈለጠት ትኹን’ምበር ትንፍሓልና ኣላ። ስለዚ ነዚ ሰብ’ዚ ክንፍድሆ ኢሎም ፍቓድ ካብ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ሓተቱ።
ኢሰያስ ኣፈውርቂ፡– ቅንዕናኹም ይሓግዝኩም ድኣ’ምበር ጉሩፖይ ክብልኹም ኢዮም። እምበር ሓሳቡስ ጽቡቕ ኢዩ። ኣነ’ውን ብግደይ ክሕግዘኩም፣ ማለት ምሳኹም ኮይኖም ዝሰርሑ’ውን ሰለ ዘድሊ፣ እዞም ዚስዕቡ ሰባት ወስኹ።

ርእሶም ግደይ
ሃይለ መንቆርዮስ
መሓሪ ግርማጽዮን
ወልደሚካኤል ገ/ማርያም
ወልደርፋኤል ስባህቱ
መብራህቱ ወልዱ
ተስፋይ ይትባረኽ

በዚ ተሰማሚዖም ድማ ነዞም ዳሕረዎት 7 ሰባት ጸውዑና’ሞ እቶም 11 ተጋደልቲ ተራኸብና። ብዛዕባ እንዛረበሉ ኣርእስቲ ከአ ተላዒሉ፣ አብ ውሽጢ መሪሕነት ዘሎ ዘይምቅዳው ንምርኣይ – መሪሕነት ክጽውዑ ምዃኖም ድማ በርሃልና።እሞ ክንሰምዖም እዚ ኩሉ ዝግበር ዕግርግር ናቶም ዘይምስምማዕ ኢዩ’ውን በሉና።
ካብዚ መሪሕነት ተጸዊዖም መጹ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ኣቦ-መንበር ከይገበሩ ከኣ ዘረባ ብወዲ ፈንቅል ተጀመረ። በራኺ ፈንቅል፡- መሪሕነትንሕና ኢና ጸዊዕናኩም ዘሎና፣ ኣብ መንጎኹም ዘይምስምማዕ ዘሎ ኩሉ ገልጹልና በሎም። ካብዚ ኢሰያስ ከም’ዚ እናበለ ዘረባኡ ጀመረ።

ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡- ኣነ ናይ ብሓቂ ክሳብ ሎሚ ቀሺ ኮይነ ኢየ ዘካይዶም ነይረ። ናይ ብሓቂ ጃህራ ከይመስለኩም፣ ኣነ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክሳብ ሎሚ ቀሺ ኮይነ’የ ዝካየድ ነይረ። ናይ ብሓቂ እዚ ኩሉ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ሰለሙን ኢዩ። እሞ ሰለሙን ሰብ ምጽላም ትገድፎ። ንኪዳነ ክፍሉ’ውን ኣውራጃዊ ኢዩ ኢልካኒ ኔርካ ኢኻ።ከምኡ’ውን ንስኻ ሰለሙን ንካልኦት ሰባት ስሞም ተጸልም ኔርካ ኢኻ። ስለዚ ሰለሙን እዚ ጠባይ’ዚ ትገድፎ። ንስኻ ኣውራጃዊ ኢኻ! ኣብ ናይ መወዳእታ ዘረባይ፣ ንስኻ እዚ ጠባይ’ዚ ትገድፎ (ምስ ተግሳጽን ምፍርራሕን) እናበለ ዘረብኡብምቕጻል …ከምኡ’ውን እኒ ኣልኣሚን ስራጅ ዘዕገርግሩ ዘሎዉ መዝነት ስለ ዘይረኽቡ እዮም። ናይ ብሓቂ በዓል ወዲ ስራጅ ንሕና ዋላ ሓንቲ ክንፈልጥ ኣይከኣልናን፤ ሓላፍነት እንተሃብናዮም ጾር ናይ ጋንታታት ኢዮም ዝኾኑ። እዚ ናይ ወዲ ስራጅ ክኸውን ከሎ፤ ብዛዕባ ተመስገን ናይ ብሓቂ ፈራሕ ኢዩ። ሓንቲ ክገብር ዘይክእል ሰብ ኢዩ …እናበለ ብምቕጻል፣ ናይ ዓርኩ ሚካኤል፡ ናይ ሃይለ፡ ናይ ታደሰ ዝንፍሑልና ዘለዉ ኣነ ዋላ ሓንቲ ክፈልጥ ኣይክእልን ይብል። ነዞም ሰባት እዚኣቶም – ኣነ ኢሰያስ ኣነ – ታሕቲ ወሪደ እንታይ ኴንኩም ክብሎም ኣይክእልን ኢየ። እዚ ብዛዕባ እዞም ዘዕገርግሩ ዘለዉ ግደ ኢዩ። ብዛዕባ ናይ እዘን ኣዋልድ፣ ናይ ብሓቂ ኣነ ደጋጊመ ኣብ ቅድሚአን ይኹን ብድሕሪአን ዝብለን፡ ንሳተን ዒራ ናጻ ዘይወጻ ኢየን። ኣብዚ ንሕና ምስ ቀጻዕናየን ንዝኾነ ይኹን ዝመጸን ሰብ፡ ከምዚ ቀጺዕምና’ባ ጌሮሙና እናበላ ንሓልፍቲ መገዲ ዘውርያ ዘለዋ። እዚ ሓራ ከም ዘይወጻ ዘረጋግጸልካ ኢዩ …እናበለ ዘረብኡ ዓጸወ።
ካብ’ዚ ቀጺሉ ወዲ እዮብ፣ ተወልደ እዮብ፡- ሰለሙን እዚ ኩሉ ዘዕገርግር ዘሎ ንኢሰያስ ከውርድ ደልዩ ኢዩ። እምበር ካባና ንላዕሊ መዝነት ኣለዎ። ሰለሙን ሎሚ ጥራይ ኣይኮነን ዘዕገርግር ዘሎ፡ ካብ ግዜ ሳልሰይቲ ክፍሊ ጀሚሩ ኢዩ። ኣብ ሳልሰይቲ ክፍሊ ከሎና፡ ኣነን ንሱን ኣስመኦምን መምህር ተኽለን ከምኡ’ውን ካልኦት ኣብ መንጎና ነይሮም፣ ከምዚ ኢልና ተሰማማዕና። ንሕና ንከበሳ ደይብና ንህዝብና ከነረድእ ፍቓድ ንሕተት ኢልና ፍቓድ ሃቡና ኢልና ርእይቶ ኣብ ዘቕረብናሉ ጊዜ፡ ድሕሪ ቅሩብ ጊዜ ድማ ነዚ ሓሳባት ዘቕረብናዮ ምስ ተረድኡ ንሰለሙን ወሲዶም ንዓ ተሓዝ ገንዘብ ክንገብረካ በልዎ። ንሱ ድማ ሓራይ በሎም። እዚ ከአ ጥልመት ኢዩ። ቀጺሉ’ውን ሰለሙን ንወዲ ሓረጎት ካባና ሓቢኡ ምስ በዓል መሓመድ ኢብራሂም ኣራኸቦ። እዚ’ውን ጥልመት ኢዩ …እናበለ ዘረባኡ ዓጸወ።

ካብዚ ቀጺሉ በራኺ ፈንቅል፡- ንስኻ ሰለሙን ኣውራጃዊ ኢኻ። ንስኻ ንኣብራሃም ተወልደ ኣውራጃዊ ኢዩ ትብል ዝነበርካ ኢኻ። ንመረጋገጺ ክኾኖኩም ከኣ፡ ንወልደንኪኤል ሃይለ ኣብራሃም ተወልደ ምስኡ ኣትሪፍዎ ወዲ ዓዱ ስለ ዝኾነ ኢሉኒ። ኣነ ብጣዕሚ ሰንቢደ ንስኻስ ከምዚ ክትብል ኢለ ተቘጣዕኩ። ንስኻ ሰለሙን ካብ ቀደም ኣውራጃዊ ኢኻ (ምፍርራሕ እናሓወሰ)። ንስኻ ሰለሙን ከከም ሓይልኻ እንተዝኸውን፡ ንዓኻ ካሶቲ ጌረ ቀሊዐ ኣብ ገረብ ምስቐልኩኻ፡ ካብኡ ኣውሪደ ድማ ኣብ ጁባይ መእቶኩኻ … እናበለ ምስ ብዙሕ ምፍርራሕን ምጕብዕባዕን ይዛረብ ነበረ።
ካብኡ ደጊሙ ተወልደ እዮብ፡- ኣነን ኣስመሮምን ኣብዚ መሪሕነት’ዚ ክንነብር ዘይንኽእል ደቂ-ሓማሴን ብዘይምዃና ጥራይ ኢዩ። ኣነ ኣብዚ ግዜ’ዚ

 

ንባሕሪ ኣቢለዶ ክኸይድ ወይሲ ኣብ’ዚ ሜዳ’ዶ ፈጺመ ምግዳል ክሓድጎ ሓሳብ ይመጸኒ፤ ግና ኣብዚ ግዜ’ዚ ምህዳም ኮይኑ ስለ ዝስማዓኒ ኢየ ኮፍ ኢለ ዘሎኹ። ሰለሙን እዚ ኩሉ ትዛረብዎ ዘሎኹም ሽኮር-ሽኮር ኢይ ዝጥዕሞ። ኣመሉ ኣይሓድግን ኢዩ፤ እዚ ነገር’ዚ ኣብ ሓቁ ክበጽሕ ኣለዎ እናበለ ዘረብኡ ደምደመ።
ቀጺሉ ኣድሓኖም፡- ኣነ ዋላ’ኳ ሓድሽ ተሰላፊ እንተኾንኩ ክዛረብ መሰል ኣሎኒ። ኣነ ብገበነኛ ክምራሕ ኣይደልን ኢየ። እዚ ነገር’ዚ አብ ሓቁ ክበጽሕ ኣለዎ። ኣብ ሓቁ እንተዘይበጺሑ ከከላሽና ክዓርቀና ኢዩ። ነዚ ነገር’ዚ ከዐርይዎ ዝኽእሉ ከአ እዞም ደቂ ሓማሴን እዮም። ንሕና ዋላ ሓንቲ ክርድኣና ኣይክእልን፣ ሰለሙን ስለምንታይ ኢዩ ተነፊሑልና ዘሎ።
መብራህቱ ወልዱ፡- ንስኹም ሰብ ብዘይገበሮ እናኽፋእኩም፡ እዘን ኣዋልድ ክግበራ እየን ንታሕቲ ወሪደን፡ ዝገብርወን ሰባት ኣሎዉ ወዘተ… እናበልኩም ተካፍኡና ሰለ ዘለኹም ምሳኹም ክንዛረብ ኣይንኽእልን። እዚ ዝበለኒ ከአ ሰለሙን ኢዩ። ዝያዳ መረጋገጺ ክረክብ ዝኸኣልኩ ከኣ፡ ካብ ኵናት ፉሕ ምስ ተመለስና ኣብ ኣልጌደን ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከምዚ በለና፡- እዚ ኵናት’ዚ ንመጀርመርያ ግዜ ኣብ ሰልፍና ይርከብ ኣሎ። ድሕሪ ደጊም’ግን ኣይክድገምን ኢዩ። ሕጂ ግና ትኽ ኢልኩም ንተቢሕ ትኸዱ በለና። እሞ ካብኡ ኣነ (መብራህቱ) ተመሊሰ ንኢሰያስ፡ ንሕና ደኺማና ኣሎና፣ ማይ ጽምኢ ይኹን ጥሜት ኣሎና፣ ስለዚ ኣብ’ዚ ክንውዕል ንደሊ ኣሎና ኢለ ምስ ሓተትኩዎ …ኣይግድሰንን ኢዩ ትኸዱ በለና። ስለምንታይ መቕጻዕቲ ድዩ ምስ በልኩ፡ ንስኻ ኢሰያስ ድማ ሸርሙጣ ኢልካ ጸረፍካንን ቀጻዕካንን በሎ። እዚ ከኣ ንኣይ ጭቡጥ ነገር ኮይኑኒ በለ።
ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክምልስ ከሎ፡- መብራህቱ መትመስመሲ ኢዩ። ኣነ ዝበልኩዎ ንላዕሊ ትኸዱ። ንሱ ከኣ መቕጻዕቲ ድዩ ዘብል ኣይነበሮን። ከምኡ’ውን ሰለሙን ነዘን ኣዋልድ ከምዚ ኢሉወን ዝብልሲ እንታይ ክጥቀመላ ደልዩ ኢዩ? ኣነ ኢለየን እየ፤ ግና እንታይ ክትጥቀመላ ደሊኻ ኢኻ? እዚ ካብቲ ብዙሕ ትጥቀመሉ ሽጣራታት ሓደ ነቃዕ ኢዩ በሎ።
ኣስመሮም ገብረዝግኣብሄር፡- ሰለሙን ንኣይን ንወዲ እዮብን ክትፈላልየና ትደሊ ኔርካ። ንኣብነት ንኣይ ወዲ እዮብ ንዓዱ ከይዱ ኢልካኒ። ከምኡ’ውን ኣነ ኣስመሮም ንዓደይ ከም ዝኸድኩ ኣምሲልካ ፈኒኻ። ኣነ ብዙሕ ሓሪቐ፣ ግና ንኣኻ ሓቲተካ ሓሲኻ ምዃንካ ድሕሪ ምፍላጠይ፤ ስለምንታይ ከምኡ ትገብር ኢለ ምስ ሓተትኩኻ …ከሕርቐካ ደልየ ኢልካኒ። እሞ ብስራሕ ስለምንታይ ትጻወት? ከምኡ’ውን ንስኻ ሰለሙን ኣብ ወገን ብፍላይ ትገብሮ ዝነበርካ ኣውራጃዊ ምንቅስቓስ፣ ብእኒ ወዲ ወልዱ ጌርካ፡ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ በሎ።
መብራህቱ ወልዱ ተንሲኡ ከምዚ ይብል፡- ንስኻ ኣስመሮም ኣብ ክሳድ መጋሳስ ክልተ ጋንታታት ኣብ ዝነበርናሉ መዓልቲ ከምዚ ኢልና ሓቲትናካ። ንስኻ ኣስመሮም ስለምንታይ ሓሰውቲ ጌካልና? ኢልና ምስ ሓተትናካ …መታን ክትማሃሩ ደልየ ኢየ ኢልካ መሊካልና። ባዕልኻ ተኣሚንካሉ እንዲኻ፡ ስለምንታይ ጌርካዮ? ስለምንታይ ሕጂ ንካልኦት ብከምኡ ትኸስስ?
ኣስመሮም፡- በዓል መን እዮም ነይሮም?
መብራህቱ፡- ንኣብነት ኣብ ጋንታና ከሰተ ነይሩ። ከሰተ ድሒሩ ከም ዝበለና፣ ኣነ ኣስመሮም ኣጋጉዩኒ ነይሩ። ግና ዋላ ሓደ ሰብ’ኳ ኣየመሓላለፍኩን፤ ኣበዚ ጋንታ ግና ጃሱስ ይብሉኒ ኣሎዉ ኢሉና። ንሕና ከኣ ቀጺልና ብዓል መን ምስኡ ይሰርሑ ከም ዝነበሩ ምስ ተወከስናዮ …ንሱ ንኢሰያስ ተወልደብርሃን ጠቒሱልና በለ።
ኣስመሮም፡- ዒራ ከሰተ ሞይቱ ኢልካ ኢኻ ትዛረብ ዘሎኻ ኢሉ መለሰሉ 

1Habtom Tewelde
5 comments
Like
Comment
Share

 

ኣምባሳደር ኣድሓኖም ብጽንዓትን ትዕግስትን ዝልለ ሓርበኛ'ዩ። ሓደ ካብቲ ጽንዓቱን ንህዝቡ ናይ ምቅላስ መንፈሱን መርኣያ ድማ ነታ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረት ሕብእቲ ሰልፊ ከም ዘላ እናፈለጠ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ትብዓቱን ወኑን ለውጢ ከየርኣየ ምግዳሉ'ዩ። እቲ ታሪኽ ከምዚ'ዩ። ሓደ ግዘ ሓደ ናይ ቀረባ ፈላጢኡ መራሒ ክበጽሖ ናብ ቦታ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ከደ። እቲ ጋሻ ምስ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ሓዲሩ ናብ ቦቱኡ ክምለስ እንከሎ ኣብ መንኩቡ ዘንጠልጥላ ንሽእቶ ቦርሳ ረሲዑ ከደ። ኣምባሳደር ኣድሓኖም ጋሽኡ ቦርሳ ከም ዝረሰዐ ኣይፈለጠን። ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣብ ትሕቲኡ ዝነብሩ ሓለፍቲ ናብ ገዛ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ምስ መጹ ኮፍ ኢሎም ከዕልሉ እንከለው ግን ነታ ቦርሳ ረኸቡዋ። "ናይ መን ቦርሳ'ያ" ተበሃሂሎም ከኣ ንኣምባሳደር ኣድሓኖም ሃቡዎ። ኣምባሳደር ኣድሓኖም ናይ መን ከም ዝኾነት ክፈልጥ ነታ ቦርሳ እንተፈተሸተ ሓንቲ ኣባላት ሕብእቲ ሰልፊ ጥራሕ ዘንብብዋ መጽሐት ተዓጻጺፋ ጸንሓቶ። ኣምባሳደር ኣድሓኖም ኣዚዩ ሰንበደ። ግዘ ከይወሰደ ኸኣ ናብ ኣዛዚ እቲ ግንባር ዝነበረ ዑቕበ ኣብርሃ ከደ። ኣብዚ ግዘ እዚ ኣምባሳደር ኣድሓኖም መራሒ ብርገድዩ ዘሎ። ናብ ዑቕበ ኣብርሃ ከይዱ። " ኣብዚ ውድብ ንሕና ዘይንፈልጣ፡ ሕብእቲ ሰልፊ ኣላ፡ ከምዚ ዓይነት መጽሐት ኣብ ቦርሳ ናይ እከለ ረኺበ" በሎ። ዑቕበ ኣብርሃ ከኣ "እወ ኣላ፡ ሕጂ ፈሊጥካ ኣለኻ፡ ካባኻ ናብ ካልእ ከተሰጋግራ ምፍታን ከቢድ ዋጋ የኽፍል'ዩ" ብምባል ብሓጺሩ ነቲ ምስጢር እንተውጺኻዮ ዝጽበየካ ጥይት'ዩ በሎ። ኣምባሳደር ኣድሓኖም፡ ዑቕበ ኣብርሃ ዝበሎ ሰሚዑ ናብ ቦቱኡ ተመልሰ። ብድሕሪዚ ዑቕበ ኣብርሃ ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ተዘራረበ። እቶም ሓለፍቲ ሕብእቲ ሰልፊ ኸኣ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ብዛዕባ ሕብእቲ ሰልፊ ፈሊጡ ከም ዘሎ ተሓበሮም። ኣምባሳደር ኣድሓኖም "ኣነ ሓንሳብ ንህበይ ክስወኣሉየ ወጽየ ኣባል ሰልፊ ይኹን ኣይኹን ዘገድሰኒ ኣይኮነን" ብምባል ንነብሱ ግዲ ኣእሚኑዋ ዝኾነ ስጉምቲ ከይወሰደ ንዓመታት ዝተጋደለ። ኣብ ትሕቲ ውጩ ኣብ ዝነበረሉ ግዘ ከኣ ውጩ ናብ ኣኸባ ሕብእቲ ሰልፊ ክኸይድ እንከሎ " ኣድሓኖምዓዲ ናባኻዩ ፡ ናብታ ንፈልጣ ይኸይድ ኣለኹ" ይብሎ ከም ዝነበረ ነቲ ታሪኽ ዝፈልጡ የዘንትው። ውጩ ኣብ ልዕሊ ኣድሓኖም ልዑል ኣኽብሮት ከም ዝነበሮን ዝኾነ ንትምህርቲ ዝምልከት ጉዳይ ክህሉ እንከሎ "እዚኣስ ንኣድሓኖም ክንሓቶ ይብል ምንባሩ ይዝንቶ። ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ኢዩምበር ኣምባሳደር ኣድሓኖም ቅቅድሚ ናጽነት ምስ ካልኦት መራሕቲ በራጊድ ኣባል ሕብእቲ ሰልፊ ክኸውን ተውሲኑ ኣባል ኮይኑ ነይሩ'ዩ። 
See less

 

ኣምባሳደር ኣድሓኖም ብጽንዓትን ትዕግስትን ዝልለ ሓርበኛ'ዩ። ሓደ ካብቲ ጽንዓቱን ንህዝቡ ናይ ምቅላስ መንፈሱን መርኣያ ድማ ነታ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረት ሕብእቲ ሰልፊ ከም ዘላ እናፈለጠ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ትብዓቱን ወኑን ለውጢ ከየርኣየ ምግዳሉ'ዩ። እቲ ታሪኽ ከምዚ'ዩ። ሓደ ግዘ ሓደ ናይ ቀረባ ፈላጢኡ መራሒ ክበጽሖ ናብ ቦታ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ከደ። እቲ ጋሻ ምስ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ሓዲሩ ናብ ቦቱኡ ክምለስ እንከሎ ኣብ መንኩቡ ዘንጠልጥላ ንሽእቶ ቦርሳ ረሲዑ ከደ። ኣምባሳደር ኣድሓኖም ጋሽኡ ቦርሳ ከም ዝረሰዐ ኣይፈለጠን። ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣብ ትሕቲኡ ዝነብሩ ሓለፍቲ ናብ ገዛ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ምስ መጹ ኮፍ ኢሎም ከዕልሉ እንከለው ግን ነታ ቦርሳ ረኸቡዋ። "ናይ መን ቦርሳ'ያ" ተበሃሂሎም ከኣ ንኣምባሳደር ኣድሓኖም ሃቡዎ። ኣምባሳደር ኣድሓኖም ናይ መን ከም ዝኾነት ክፈልጥ ነታ ቦርሳ እንተፈተሸተ ሓንቲ ኣባላት ሕብእቲ ሰልፊ ጥራሕ ዘንብብዋ መጽሐት ተዓጻጺፋ ጸንሓቶ። ኣምባሳደር ኣድሓኖም ኣዚዩ ሰንበደ። ግዘ ከይወሰደ ኸኣ ናብ ኣዛዚ እቲ ግንባር ዝነበረ ዑቕበ ኣብርሃ ከደ። ኣብዚ ግዘ እዚ ኣምባሳደር ኣድሓኖም መራሒ ብርገድዩ ዘሎ። ናብ ዑቕበ ኣብርሃ ከይዱ። " ኣብዚ ውድብ ንሕና ዘይንፈልጣ፡ ሕብእቲ ሰልፊ ኣላ፡ ከምዚ ዓይነት መጽሐት ኣብ ቦርሳ ናይ እከለ ረኺበ" በሎ። ዑቕበ ኣብርሃ ከኣ "እወ ኣላ፡ ሕጂ ፈሊጥካ ኣለኻ፡ ካባኻ ናብ ካልእ ከተሰጋግራ ምፍታን ከቢድ ዋጋ የኽፍል'ዩ" ብምባል ብሓጺሩ ነቲ ምስጢር እንተውጺኻዮ ዝጽበየካ ጥይት'ዩ በሎ። ኣምባሳደር ኣድሓኖም፡ ዑቕበ ኣብርሃ ዝበሎ ሰሚዑ ናብ ቦቱኡ ተመልሰ። ብድሕሪዚ ዑቕበ ኣብርሃ ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ተዘራረበ። እቶም ሓለፍቲ ሕብእቲ ሰልፊ ኸኣ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ብዛዕባ ሕብእቲ ሰልፊ ፈሊጡ ከም ዘሎ ተሓበሮም። ኣምባሳደር ኣድሓኖም "ኣነ ሓንሳብ ንህበይ ክስወኣሉየ ወጽየ ኣባል ሰልፊ ይኹን ኣይኹን ዘገድሰኒ ኣይኮነን" ብምባል ንነብሱ ግዲ ኣእሚኑዋ ዝኾነ ስጉምቲ ከይወሰደ ንዓመታት ዝተጋደለ። ኣብ ትሕቲ ውጩ ኣብ ዝነበረሉ ግዘ ከኣ

 

ውጩ ናብ ኣኸባ ሕብእቲ ሰልፊ ክኸይድ እንከሎ " ኣድሓኖምዓዲ ናባኻዩ ፡ ናብታ ንፈልጣ ይኸይድ ኣለኹ" ይብሎ ከም ዝነበረ ነቲ ታሪኽ ዝፈልጡ የዘንትው። ውጩ ኣብ ልዕሊ ኣድሓኖም ልዑል ኣኽብሮት ከም ዝነበሮን ዝኾነ ንትምህርቲ ዝምልከት ጉዳይ ክህሉ እንከሎ "እዚኣስ ንኣድሓኖም ክንሓቶ ይብል ምንባሩ ይዝንቶ። ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ኢዩምበር ኣምባሳደር ኣድሓኖም ቅቅድሚ ናጽነት ምስ ካልኦት መራሕቲ በራጊድ ኣባል ሕብእቲ ሰልፊ ክኸውን ተውሲኑ ኣባል ኮይኑ ነይሩ'ዩ። 
See less

ኤርትራ
ሰብ ውዕለታ ዝበልዐት ሃገር፡ሎሚ ብዛዕባ እቲ መምህረይ ዝብሎ እቲ ዘይሕለል ሃገራዊ ብሱል ተቓላሳይ ሃይለ ወልደትንሳኤ-- ድሩዕ ገለ ንእሽቶ ጥማዕ ትብቃዕ ኣይትብቃዕ ገለ ካብ ታሪኹን ውዕሎኡን ገለ ክብል ደስ ኣናበለኒ እዩ። እወ ብዛዕባቲ ውፉይ መምህር ሰውራ፡ ንንቕሓት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ናብ ነገራዊ ሓይሊ ዝቐየረ ዓቢ ካድር መምህር ካድረታት። ኣብ ሂወተይ ከቢድ ነገር ኮይኑ ካብ ዝረኸብኩዎ ኣጋጣሚታት ንበዓል ድሩዕ ሰብ ረዚን ውዕለት ምጥላም እዩ። ብ1946 ኣከባቢ ከምዝተወልደ ዝፍለጥ ድሩዕ ብ 1967 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ይመስለኒ ዝተረፈ ንኣረምቲ ይገድፎ፡ኣነ 1967 እኳ ኣብዛ ዓመት ኣዚኣ ንመጀመርያ ኣብ ዓዲ ንኣምን ተማሃራይ ከለኹ ድሩዕ ዘለዎም ተጋደልቲ ንመጀመርያ ዝረኣናሉ ግዜ ነይሩ፡ኣነ ምስቲ ንእሽቶ ወዲ 15 ዓመት ምንባረይ ብዙሕ ኣቓልቦ ንምልላዮም ዝገበርክዎ ኣይነበረን፡ስዉኣ መምህር ሰረቕ ሃብተማርያም ካብቶም ሽዑ ተማሃሮ ዝነበሩ ብዕድመ ምዕባየይ ግን ድሩዕ መጽሔት ገድሊ ኤርትራ ዝብል ሂቡና ኢሉ ስለ ዝነገረኒ ምስ ሰረቐ ክሳዕ ግዜ መስዋእቱ ንዝክራ ፍጻሜ ኣያ ነይራ።

ብዝኾነ ድሩዕ ምስቲ ኣብ መወዳእታ 60ታት ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተራእየ ሕንፍሽፍሽ ናብ ኢትዮጵያ ስለ ዝኣተወ ናብቲ ጀሚርዎ ዝነበረ

ዩኒቨርስቲ ትምህርቱ ድሕሪ ምቕጻል፡እቲ መሪር ሃገራዊ ጉዳይ ስለ ዘየቕሰኖ ኣብ ከባቢ 1972 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተጸምቢሩ፡ምስ ኢሰያስ ዝፋለጡን መማርትን ስለ ዝነበሩ እቲ ገድሊ ሰልፊ ናጽነት ዝሓደሶ ኣይመስለንን። ብዝኾነ ድሩዕ ከም ወዳብን ፍዳኢንን ኮይኑ ምስ በዓል ስዉእ ወልደንኪኤል ሃይለ በዓል ተኪኤ -ወዲ ቐሺ other wise ዝርከብዎም ናብ ኣስመራን ከባቢኣን ተመዲቡ ስርሑ ጀመረ፡ 1973 ኣስመራ ኣትዩ እውን ናይ ፈዳይን ስራሕ ይሰርሕ ነይሩ። ካብ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ ፡ ብካርነሽም ብኳዜን ኣቢሉ ንከተማ ኣስመራ ንሓደ ስርሒት ንበይኑ በለይቲ እናኣተወ ፡ ኣብ መንጎ ኳዚንን በለዛን ዘሎ ጽሕዲ ዘልዎ ቦታ እናኸደ ሃንደበት ኣብ ድብያ ኮመንድስ ወደቐ፡እቲ ጉዳይ ዕድል ዝህብ ኣይነበረን ኣብ ናይ ቋሕሰም ግዜ ኢድ ቢኢድ ምስ ዕጥቁ ተታሒዙ፡ጸልማት ስለ ዝነበረ ዳርጋ ረጊጽዎም ነይሩ ዝበለኒ፡ሓደ ኮማንድስ ኣብዛ ዘለኹዋ ዓዲ ዘሎ ኣዕሊሉኒ፡ካብቶም ብቐረባ ዝሓዝዎ ምንባሩ፡

ምስ ተታሕዘ ድማ ባዕሉ ኢዱ ከም ዝሃበ ጌርካ ንምፍትሑ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይተዓወተን ንሱ እውን ፍቓደኛ ኣይነበረን ይብለኒ እቲ ኮማንድስ፡ ኣቲ ኮማንድስ ኣብ1975 ድሕሪኡ ናብ ጀብሃ ተሰሊፉ እዩ። ብዝኾነ ድሩዕ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ቀይዲ ኣትዩ ምዕልቲ ሞቱ እናተጸበየ፡ብ1975 ጀብሃ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል ምስ ኣውጽኣቶ ምስቶም ውድባት ህዝባዊ ሓይልታት ዝነበሩ እሱራት ናብ ብጾቱ ተጸምበረ። ብዝነበሮ ብቕዓት ፖለቲካ ድማ ንሱ መምህር ካድረታት ብትግርኛ፡ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ድማ መምህር ብቋንቋ ዓረብ ኮይኖም፡እቶም መጀመርያ 1ይ ዙርያ ካድረታት ተማሃሩኡ ኣነ ሓደ ካብኦም ነበርኩ፡ ምስ ብሪጋደር ጀነራል ተኸስተ ሃይለ ኣውን ደቂ ዙርያ ኢና፡፡ድሕርዚ ክሳዕ ድሮ ናጽነት ብዘይምቁራጽ ድሩዕ ካድረታት ኣሰልጢኑ ንውድብ ህዝባዊ ግምባር ናብ ዘይቁርጠም ዓረ ዝቐየረ ሓርበኛ እዩ። እቶም ንሱ ዝፈጠሮም ካድረታት ስለ ዝጸንዑን፡ተጋዳላይ ከም ዝጸንዕ ስለ ዝገበሩን ብቐንዱ ስራሕ

 

ድሩዕ ኣብ ምቕያር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር መዘና ኣልቦ እዩ። ነቲ ጽንኩር ትንፋስ ዘይህብ ወራራትን ወፍርታትን፡ደምሳሲ ኲናትን ንቕሓት ምህሮ በዓል ድሩዕ እንተዘየሰንዮ፡ሰውራ ኣብ ናጽነት ንክበጽሕ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ነይሩ። ድሩዕ ኣብ 1977 ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ክፍሊ ምንቕቓሕ ደሓር ድማ ክፍሊ ሃገራዊ መርሓ ኮይኑ ኩሉ ኣቲ ናይ ምንቕቓሕ ስራሕ ይዓምም ነበረ፡ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ መርሓ፡ክፍሊ ዜና፡ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ባህልን ልምድን ዝባሃላ ጨናፍር ኣብ ምንቕቓሕን ሓበሬታ ንህዝቢ ፡ምቅላዕ ንጸላኢ፡ሞራል ንህዝብን ሰራዊትን ዘስንቕ እጃም ኣሃዱ ድሩዕ ዝመርሖ ክፍሊ ነበረ።

ድሩዕ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ 1977 ንጥልቀት ካብ ሓደጋ መኪና ተሰባቢሩ ጥዋዕዋዕ ኢሉ፡ንዓዲ ጥልያን ከይዱ ተሓኪሙ ናብ ስርሑ ተመልሰ። ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝተፈላልየ ሚንስትሪታት፡ፍይናንስን ልሞዓትን፡ንግድን ኢንዱስትርን፡ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፊ ክሳዕ ሽምግልና ኣልጀርስ ልኡላውነት ኤርትራ ንምሕላው ዝከኣሎ ናይ ዘተን ዕርቂ ሉኡኽ ኮይኑ ንክብሪ ሃገሩ ተቓሊሱ ክሳዕ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ደው ንክብል ሰሪሑ እዩ።2001 ድሕሪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝተራእየ ግርጭት ኣብ መንጎ ቅዋማያን ጉጅለ 15 ጉጅለ ኢሰያስ ህግደፍ፡ ኣቲ ኩሉ ዝወረደ ክሳራ ብሰንኪ ዘይግሉጽ ኣሰራርሓ መሪሕነት ህግደፍ ስለ ዝኾነ፡ዘጋጠመ ስዕረትን ክሳራን ጠንቂ ብምዃኑ ኢሰያስ ካብ ስልጣን ተኣለ እንተበልናዮ ዘኽፍእ ኣይኮነን፡ጀማል ዓብደል ናስር ኣብ 1967 ምስሪ ብእስራኤል ምስተሳዕረት ጀማል ዓብደል ናስር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ንህዝቢ ሓቲቱ እዩ፡ስለዚ ውረድ እንተበልናዮ ንኢሰያስ ዘኽፍእ ኣይኮነን ኢሉ ነይሩ፡ኣነ እኳ ነዚኣ ፈጺመ ኣይተቐበልኩዋን፡ ውጥናቶም ስርዓት ንምቕያር ስለ ዘግሃደሉ ኢሰያስ ቅልጡፍን ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ስጉምቲ ክወስድ ዕድል ረኺቡ እዩ፡ስለዚ ናይ ስልቲ ጌጋ ነይራ ዝብል ኣራኣእያይ ሽዑ ገሊጸ እየ፡እንታይ ሒዝኩም እውን ኣስዒበ፡ስለዚ ንተመን ከምዚ ጌርካ ከተግህደሉ መቕተሊኻ እዩ፡ ገና ዝከላከለልካ

 

ሓይሊ እውን ኣይፈጠርካን።

ብዝኾነ ድሩዕ እቲ ቀንዲ ታርጌት ኢሰያስ ንስልጣኑ ሓደገኛ ኮይኑ ዝረኸቦ ሰብ ኣዩ፡ሰዓብቲ ኢሰያስ ነታ ኣብ ዲያስፖራ ካብ ብዙሕ መግለጺ ድሩዕ በጥቊሎም ነታ ''ተጣላቒና'' ትብል ቃል መቐይዕን መድሃልን ተጠቒሞሙላ እዮም። መን ተጠላቕዩ ግን ኣዘዝቲ ኲናት መረብ ሰቲት ጢጥ ክብሉ ስለ ዝተራእዩ፡ ጥልቁያት ንሳቶም ጥራይ እዮም።ድሩዕ ከምቶም ውፉያት ብጾቱ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው ካብ ሕጊ ወጻኢ ኣብ ሕቡእ ቤት ማእሰርቲ ዝተሰወረ ጅግና ክሳዕ ሕጂ ኣብ ልብና እዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ በቶም ንህዝብን ሃገርን ክኾኑ ዝማሃሮም ካድረታቱ ዝተጠልመ በዓል ታሪኽ ሓርበኛ እዩ። በዓልቲ ቤቱ ምስ ደቃ እዝጊኣብሄር ይሓልዋ።
ሰማእታትና ኩልሻዕ ኣብ ልብና።

ድሩዕ መእሰሪኡ እንታይ ኔሩ?
1) ቅዋማዊ መንግስቲ ንኸይንተክል ዕባራ ምኽንያት ኣይነምጽእ ብምባሉዶ? ዋላስ 2) ሃገር ኣሕሊፉ ስለዝሃበ?

ርኢኹምን ሰሚዕኩምን ፍረዱ።

ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ካብ 1965-1991 (26 ዓመት): ኤርትራ ሉኣላዊት ሃገር ክትውን ዝተጋደለ: ዘንቅሐን: ተጋዳላይ ፖለቲከኛን እዩ ኔሩ ድሩዕ። ድሕሪ ናጽነት ካብ 1991-ሰነ 2001 (10 ዓመት) ኣካል ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላየ ላዕለዋይ ጽፍሒ: ኣባል ባይቶ: ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን: ሚኒስተር ንግዲን ኮይኑ ንሃገሩ ዘገልገለ ፖለቲከኛ እዩ ኔሩ ድሩዕ።

ሰነ 18: 2000: ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበር ዝነበረ ናይ ሰላም ዘተ ኣብ መዕለቢኡ ዘብጽሐ: ኣብ ሰነ 18: 2000: ንመንግስቲ ኤርትራ ወኪሉ: ኣብ ኣልጀርስ ከይዱ ነቲ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝፈረመ

 

ብዓል ስልጣን እዩ ኔሩ ድሩዕ።

ሓምለ 2000: ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ኣልጀርስ: ድሩዕ ገዛና ነጽሪ ክብል ክምዕድን ክጉስጉስን ጀሚሩ። እዚ ወፍሪ እዚ ብሕሹኽሹኽ ዘይኮነ ብቓልዕ ኣብ FRANKFURT, GERMANY ንኤርትራውያን ኣኪቡ ኣብ ዝሃቦ መደረ እዩ ጀሚርዎ። እቲ መደረ ሳላ ብቪድዮ ዝተቐድሐ ድማ : ድሩዕ ሕግን ስርዓትን ድዩ ዝጠልብ ኔሩ ዋላስ ካልእ ንምርድኡ ኣይጽግምን።

ግንቦት 27: 2001: ምስ ካልኦት 14 ላዕለዎት ሓለፍቲ ብጾቱ (G-15) ተዘራሪቦም ንፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣኼባ ክገብረሎምን ሕሉፍ ኣካይድኦም ገምጊሞም መጻኢ ኣካይድኦም ክሕንጽጹን ከጻፍፉን ካብ ዝሓተቱ ሓደ እዩ ኔሩ: ድሩዕ። ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ድሩዕ June 8, 2001: ብትእዛዝ ፕረዚደንት ኢሰያስ ካብ ሚንስተር ንግዲ ስርሑ ተባሪሩ።

Sept. 18, 2001 ድሩዕ ኣካል G11 ኮይኑ ትኣሲሩ። ብድሕሪዚ ድሩዕን ብጾቱን (G-15) ብተንበርካኽነትን: ኣብ ግዜ ኲናት ሃገር ኣሕሊፍካ ምሃብን ሽሞም ከምዝድወን ተጌሩ። ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ቃሉ ክህብ: ክካታዕ: ክፍረድ ዕድል ዘይተዋህቦ ክነሱ ኣንጻሩ ብዝተገብረ ጽዑቕ ጎስጓስ ጥራሕ ገለ ደገፍቲ ህግደፍ ሽሙ ከነውሩ ክሰምዕ ከለኹ ስለዝርብሸኒ እየ እምብኣር ሰሚዕኩም ክትፈርዱ ነዚኣ ንእሽተይ ጽሕፍቲ ምስዛ ቪድዮ ዘቕርበልኩም ዘለኹ። እስኪ መን: መዓስ: እንታይ ኢሉ ርኣዩን ስምዑን'ሞ ባዕልኹም ፍረዱ።

እቶም በቲ ስርዓት ብዝጋዋሕ ፕሮፖጋንዳ ዝተደናገርኩም ሰባት ክኣ: እዘን ዝስዕባ ሕቶታት ንነብስኹም ሕተቱ።

1) ድሩዕ ኣብ ግዜ ኲናት ናብ ወያኔ ሓበሬታ ኣምሓላሊፉ (ሃገር ሸይጡ) ዝብሃል ኣበየናይ ህሞት እዩ ከምኡ ጌሩ?


2) ዕድሚኡ ዝወፈየላ ሃገርከ ስለምንታይ ኣሕሊፉ ይህባ ኢልኩም ትሓስቡ?

3) ድሩዕ ሃገር ሸይጡ እንተኾይኑ ቅድሚ ውዕል ሰላም ኣልጀርስ (ሰነ 2000) እዩ ክኸውን ዝኽእል። እሞ ስለምንታይ ድኣዩ ሃገር ክሸይጥ ዝፈተነ ሰብ ኣካል እቲ መንግስቲ ኮይኑ ክሳብ ሰነ 8 2001 ብሚኒስተርነት ክሰርሕ ተፈቒድዎ? ስለምንታይ እዩ ክሳብ ንኢሰያስ ምስ G-15 ኮይኑ ዝብድሆ (ክሳብ ሰነ 8 2001) ብሚኒስተር ደረጃ ክቕጽል ተፈቒድዎ? ድሩዕ ሃገር ስለ ዝሸጠ ድዩ ትኣሲሩ ዋላስ ብሕጊ ንምሓደር ስለዝበለ?

4) እዚ ስለ ሃገሩ ኣብ ሰንበል torture ዝተጻወረ ተጋዳላይ : ኣብ እስርቤት ኣብ ጸልማት ትዓጸዩ: ብዛዕብኡ ዝዝረብ ጠቐነ ተቐቢልና ምግዋሕን ሽም እዚ ጅግና ምብላል ሰብን እዝግሄርን ዘይፈትዎ ስራሕ እዩ: ዓገብ!!!

ብዛዕባ ኣብ 2018 ብሓው ሰንጋል ተዋሂቡ ዝብሃል ናይ ራድዮ ምስክርነትን ብቕዓትን።

ብሓው ንድሩዕ ተዋሂቡ ዝብሃል ምስክርነት
1) ድርኺቱ ንጹር ስለዘይኮነን (ህግደፍ ንቤተሰብ ከይተረፈ ዘፈራርህ ስርዓት ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው(ስሂን ዓሊ ዓብዱ ከም ኣብነት ምርኣይ ይክኣል):

2) ብመስቀላዊ ሕቶ ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ ምስክርነት: ንምርግጋጽ ገበን ብቑዕ ስለዘይኮነ ቃል ናይ ሰንጋል ከም መርትዖ ሚዛን ክውሃቦ ኣይግባእን ኣይክልን'ውን። ንድሩዕ ዝኸስስ ኣኽባር ሕጊ : ጭብጢ እንተልዩዎ ኣብ ነጻ ቤት ፍርዲ የቕርቦ።

 

ደምደምታ
*********
ቤት ፍርዲ ገበነኛ ክሳብ ዘይበሎ: ተጋዳላይ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ንጹህ: ፍትሒ ዝትሓረሞ: ን18 ዓመታት ብዘይ ክሲ: ፍርዲን: ብወለንታ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ኣብ እስር-ቤት ዝበለየ ግዳይ ተባሂሉ ክዝከር ይግባእ።

ድሩዕ መዋጽእቲ ይፍጠረልካ።
ብህይወት እንተዘየለኻ ኽኣ ብሰላም ዕረፍ!

**ናይ ኩላቶም ፍትሒ ዝትሓረሞም ዜጋታት ታሪኽ በብግዚኡ ከቕርብ እየ።

ንጀጋኑ ኣፎም ዓቢሱ ታሪኾም ጸለሎ ክቐብእ ዝፍትን ስርዓት እግሪ እግሩ እንዳኸድና ክነቃልዖ ሓላፍነትና እዩ። ዝገበረልካ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ!

ኣበድ ተስፋይ 

 

 

ritrea In'my Heart'Forever

otsSfeSYpesonsterhofdsaoy attdrdcd 04oe:r24dlfn  · 
ውዲታት ሃይለስላሴ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ!
ኢትዮጵያ ብፋሽሽታዊ መንግስቲ ኢጣልያ ተወሪራ ግዝኣታ ምስ ኮነት፥ ሃጸይ ሃይለስላሴ ናብ ማሕበር ኪዳን ሃገራት ዓለም (League of Nations) ክቐርቡ ንከተማ ጀኒቫ ስዊዘርላንድ ኣብ ዘቅነዕሉ ግዜ፡ ናብ'ቲ ባይቶ ብምቕራብ " ፋሽሽቲ መንግስቲ ኢጣልያን፣ መንግስቲ ኢጣልያን ኢትዮጵያን ዝተፈራረምኦ ውዕል ጥሒሱ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዘሎ ዶብ ኣፍሪሱ፡ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ፈንጢሱ ብምእታው ንሃገረይ ወሪሩ ኣሎ" ብማለት ብ23 ሰነ 1935 ዓ.ም ክሲ ኣቅረቡ። እዚ ኣበሃህላ'ዚ ከኣ ኤርትራ ካልእ ሃገር ድኣ'ምበር ኣካል ኢትዮጵያ ከም ዘይነበረት ዝምስክር'ዩ።
እዚ ጥርዓን'ዚ ገና መዕለቢኡ ከይረኸበ ከሎ ፋሽሽታዊ መንግስቲ ኢጣልያ ብእንግሊዝ ተሳዕረ። ሽዑ ሃጸይ ሃይለስላሴ ካብ'ቲ ብስደት ዝቕመጥሉ ዝነበሩ ሃገረ እንግሊዝ፥ ብሱዳን ኣቢሎም ንሃገሮም ከመሓድሩ ካብ ኢድ ጀነራል ዊንገት ዝትባህለ እንግሊዛዊ ተረከቡ። ኤርትራ ግን ሽሕ'ኳ ግዝኣት ኢጣልያ እንተ ነበረት፥ ምስ ኢትዮጵያ ዘተኣሳስር ስለ ዘይብላ ምስ እንግሊዝ ተረፈት። እንግሊዝ ነቶም ሓይልታት ኪዳን ዝብሃሉ ዝነበሩ ከም በዓል ኣሜሪካ ፡ እንግሊዝ ፡ ሩስያ፡ ፈረንሳ... ብምውካል'ዩ ንኤርትራ ተረኪብዋ። እቲ ውግእ ብኹሎም እቶም ሓይልታት ኪዳን ዝብሃሉ ዝካየድ ዝነበረ'ዩ።
ሃይለስላሴ ዝተፈላለየ ምኽንያታት እናፈጠረ፥ ናብተን ርእሰ ሓያላት ዝብሃላ ዝነበራ ሃገራት ብምቕራብ "ኤርትራ ንዓይ'ያ ትግብኣኒ" ክብሉ ጀመሩ። ብ18 ሰነ 1946 ናብ ምስሪ ብምቅናዕ፣ ምስቶም ሽዑ ፕረዚደንት ሃገረ ኣሜርካ ዝነበሩ ፍራንክልን ሩዝቨልት ተራኺቦም ተዘራረቡ። በቲ ግዜ'ዚ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ስምምዕ ንህዝቢ ኤርትራ ከም መርዚ ኮይኑ ከሳቅዮ ዝጸሐነ'የ። እቲ ውዕል፦
፪. ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ብጉዳይ ኤርትራ ምሉእ ሓገዝ ክትገብረላ
፪. ኢትዬጵያ ከኣ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ራድዮ ማሪና (ሬድዮ ማሪናዮ) ሕጹር መደበር ሰራዊት ክትህባ ዝብል ነበረ።
ብድሕር'ዚ ንሃጸይ ሃይለስላሴ ኣብ ኤርትራ ንዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ቆንስል ንኽከፍቱ መንግስቲ እንግሊዝ ፈቐደሎም። ኮሎኔል ነጋ ሃይለስላሴ ዝብሃል ኢትዮጵያዊ ቀዳማይ ቆንስል ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣስመራ ኣትዩ ተቐመጠ። ዝገበረ ጌሩ ከኣ ምስቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ገለ-ገለ ኤርትራዊውያንን እናተሓገዘ ፡ ጉቦ እናነስነሰ ፕሮፖጋንዳ ከም ልቡ ብምንዛሕ፣ 'ማሕበር ኣንድነት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ' ንምምስራት ኣጎሃሃረ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ "ኤርትራ ብሃገራት ኣዕራብ ዝተኸበበት ስለ ዝኾነት፣ ዕብለላ ምስልምና ንህዝብኹም ከጥቕዖ'ዩ፡ ብኡ መንጽር ሃይማኖት ክርስትና ክወድቕ'ዩ" እናበለ፣ ንገለ መራሕቲ ሃይማኖት ብገንዘብ እናረድአ በብቁሩብ ክቐርቦም ከኣለ። ብኸም'ዚ ከኣ ሃጸይ ሃይለስላሴ ብ2 ጥቅምቲ 1950 ነቲ ኣብ መረብ ዝነበረ ዶብ ጥሒሶም መሬት ኤርትራ ረገጹ። "እዛ ዕለት እዚኣ ታሪኻዊት ዕለት እያ'ሞ ፡ ዓመት ዓመት እናተዘከረት ክትነር ኣለዋ" ከኣ በሉ።
ሓያሌ ኤርትራውያን በዚ ፍጻሜ'ዚ ስለ ዝተቖጥዑ
ንሓርነት ሃገሮም ክቓለሱ ብሱቱርን ብጋህድን ተበገሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ'ቲ ግዜ እቲ ጀሚሩ ( መግዛእቲ እንግሊዝ)፣ ብኣባላት አንድነትን ካልኦት ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን እናተደገፈ ነቶም ንሓርነት ኤርትራ ዝቃለሱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ከጥፍእ ጀመረ። እዚ ዕላማ'ዚ ኣብ ግብሪ መታን ክውዕል ከኣ፥ ውልቀ ሰባት ክቕንጽልን ከሸብርን ዝኽእል 'ሸበልየ' ዝተባህለ ጉጅለ ፈጠሩ። እዚ ሸበልየ ዝተባህለ ጉጅለ ኣሃዱ ኢሉ ብ29 መጋቢት 1949 ንኣቶ ዓብደልቓድር ከቢረ ቀንጸለ። ንኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ከኣ ሸውዓተ ግዜ ብጥይት፡ ብቦምቧ ኢድን ሓደ ግዜ ከኣ ብመርዝን ክቐትሎም ፈተነ። እንተኾነ ግን ነታ ህይወት ወልድኣብ ወልደማርያም ክረኽብዋ ኣይከኣሉን። እቲ ቊስሎም ግን ክሳብ ዕለተ ሞቶም ኣብ ሰብነቶም ስምብራት ገዲፉ ምስኦም ተቐብረ።
ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገሩ ክመክር 'ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ' ብዝፍለጥ ጉባኤ ኣብ ዘሰናድኣሉ መዓልቲ፡ እቲ ካብ ኣባላት ማሕበር ኣንድነት ተዋጺኡ ዝተሰርዐ 'ሸብልየ' ዝተባህለ ጉጅለ ምስ ካልኦት ሓገዝቱ እቲ ዋዕላ ምእንቲ ከይምስረት ውዲት ብምፍጣር ኣሰናኸልዎ። ድሕር'ዚ ሃጸይ ሃይለስላሴ ኣይደንጎዪን ሕልምታቶም ኣብ ግብሪ ንኽውዕል 1950 ዓ.ም " ግብሪ መንግስቲ ምሒር ኣለኹ" ብምባል ብወግዒ ንህዝቢ ኣፍለጡ። ቀጺሎም ከኣ ብወርሒ ነሓሰ 1952 ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዓለም ዝተውሃበ ፌደራላዊ ናጽነት ኤርትራ ተቐቢለዮ ኣለኹ ኢሎም ብፌርምኦም ኣረጋገጹ።
ብ25 መጋቢት 1953 "ኤርትራ ናይ ውሽጢ ሃገር ሚኒስተር ኣየድልያ'ዩ"፣ ኣስዒቦም ከኣ ቋንቋ ኢትዮጵያ ኣምሓርኛ ስለ ዝኾነ፡ ትግርኛን ዓረብን ኣየድልይን'ዩ ዝብል ጽሑፍ ንደጃዝማች ተድላ ባይሩ መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ኣቕረቡ። ደጃዝማች ተድላ ባይሩ ግን ነዚ ብትሪ ስለ ዝነጸግዎ ምስ ማሕበር ኣንድነት ዝነበሮም ዝምድና ተበትከ። ቀጺሎም ከኣ 'ንሰራዊት ኢትዮጵያ መዓስከር ዝኸውን ሰፋሕቲ ቦታታት ስለዘድለየና፣ ይወሃበና?" በሉ። በዚ ከኣ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝኾነ መዓስከር ሰራዊት ማይ ሓባር ተዋህቦም።
ሽዑ ከኣ'ዩ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፣ በብቁሩብ በዝን ወድኸምዝን ንዝጀመረ ጎበጣ፣ በቁሩብ ብሱቱር ኮነ ብጋህዲ እናበርከተን ሱር እናተኸለን ክኸይድ ዝጀመረ። ሃጸይ ሃይለስላሴ ከኣ በዚ ህዝባዊ ውደባ ኣዝዮም ስለዝሰግኡ 500,000 ዶላር፥ ዝዋግኡ መሳርሒ ውግእ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ገዝኡ። ኣይጸንሑን ብ1970 ዓ.ም ከኣ " ኤርትራ መሬታ ምበር ህዝባ ኣየድልየና'ዩ" ብምባል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዕቐቶም ብወግዒ ኣንጸባረቁ።
ኣብ ከተማ ይኹን ገጠር ንዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፣ ብብርሃን ተዘይኮይኑ ብጸልማት ከይንቐሳቐስ ኢሎም ኣወጁ። እዚ ምኻን ምስ ኣበዮም ከኣ 'ወታሃደራዊ አዋጅ' ኣንገሱ። እዚ ኣዋጅ'ዚ፣ ዝኾነ ወታሃደር ኢትዮጵያ ንዝጠርጠሮ ኤርትራዊ ፡ ክኣስርን ክቐትልን ምሉእ ስልጣን ተዋህቦ። ብመንጽሩ ከኣ ብዙሓት ኤርትራውያን ግዳይ ናይ'ዚ ፍጻሜ ሙኻኖም ናይ ቀረባ ተዘኩሮና'ዩ።
ብ1964 ዓ.ም ኣብ ካይሮ ዝተገብረ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሃጸይ ሃይለስላሴ ካርታ ኤርትራ ከም ዘሎ ስለ ዘይፈለጡ "ብዛዕባ ዶብ ኤርትራ በቲ መግዛእታዊ፥ ምምሕዳራት ኢና ንኸይድ" ብምባል ነቲ ማሕበር ምስ ኣቕረብዎ፣ እቲ ባይቶ ሓሳባቶም ከይተወላወለ ብሙሉእ ድምጺ ኣጽዳቖ።
ድሕሪ'ዚ ኩነታት ኣብ ኤርትራ እናጸበበ ምስ ከደ። ነቲ ኣብ መንገዲ ዓሰብ ቡሬ ተተኺሉ ዝነበረ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሕብር ሰሌዳ ቦንቊሮም ብምምሓው፣ 57 ኪ.ሜ. ንውሽጢ ደፊኦም ብምእታው ከም ብሓድሽ ተኸልዎ። ነቲ ERITREA ዝብል ዝነበረ ቃል ደምሲሶም ከኣ 'ጠቕላይ ግዝኣት ኤርትራ' ዝብል ጸሓፍሉ። መን ይፈልጥ እንተ ኸፍአ ዓሰብ ሒዘ ክተርፍ ኢሎም ግዲ ኾይኖም ከኣ ንዓሰብ 'ምምሕዳር ዓሰብ' ኢሎም ፈለይዋ። እዚ ከኣ ዓሰብ ቐጥታ ርክባ ምስ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ባዕላ ንኽትመሓደር ዝዓለመ'ዩ። ብዘይካ'ዚ ፖሊስ ኮነ ፋይናንስ ካብ ከተማ ደሴ ከም ዝመጽዋ ተገብረ። እዚ'ውን ከም ድላዪ ሃይለስላሴ ስለዘይሰርሐ እዚ ዝስዕብ ሓድሽ ሕጊ ተኣወጀ።
"ዝኾነ ኤርትራዊ ብፖሎቲካ ተመሪዙ ምስ ኣንጻር ሕጊ ኢትዮጵያ ዝጻረረ ፡ ሰብ ዝቀተለ ፡ ንፈተነ ቅትለት ዝፈተነ ፡ ተመኺሩ ዘይተኣረመ ብዓንቀጽ 2-3-6 መ ንኡስ ዓንቀጽ 2/3 ብዝምልከት፣ ንሕልፈት ማእሰርት ክሳብ ሞት ዝቀጽዕን'ዩ" ዝብል ነበረ። እዞም ዝስዕቡ ቀዳሞት ሓርበኛታት ኤርትራውያን ብጉዳይ ፖሎቲካ፣ በቲ ዝወጸ ኣዋጅ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈረዱ'ዮም።
፩. ኣቶ ስራጅ ኣሕመድ ፣ ኣብ ኣስመራ ዕዳጋ ሓሙስ ብማሕነቕቲ ምስ ተሓነቊ፣ ሬስኦም ን24 ሰዓታት ዝተንጠልጠለ
፪. ኣቶ ያዕቆብ ፣ ኣብ ኣስመራ ዕዳጋ ከብቲ (ዕዳጋ ሓሙስ) ብማሕነቕቲ ዝተሓቀ
፫. ኣቶ መሓመድ ዳውድ ምስ ክልተ ብጾቱ ኣብ ኣቊርደት ዝተሓንቁ
፬. ኣቶ ሃይለ ተወልደ ምስ ክልተ ብጾቱ ኣብ ከተማ ዓሰብ ዝተሓነቊ

Eyob Fishaye is with ኤደን መንግስተኣብ.
tSuponsfo2reduh  · 
ሃገረይ ዝበለ ተዘኪሩ ይነብር
ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገረዝጊሄር
ሜ/ጀነራል ብርሃነ ገረጊሄር ብ1949 ኣብ ድርኮ መራጉዝ ተወሊዱ። ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ኣብ ቤ/ት ድርኮ ተማሂሩ። ብድሕሪኡ ሓደ ዓመት ማእከላይ ደረጃ ኣብ ቤ/ት ሳንጆርጆ ድሕሪ ምምሃሩ፡ ናብ ቤ/ት ቤት ገርግሽ ሰጊሩ ካብ ሻዱሻይ ክሳብ ሻሙናይ ክፍሊ ድማ ኣብ ቤ/ት ቤት ገርግሽ ተማሂሩ። ቀጺሉ ከኣ ኣብ ቤ/ት ልኡል መኮነን ክሳብ 11 ክፍሊ ተማሂሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ዩኒቨርስቲ ብምእታው ስነ-ቀመም (chemistry) ከጽንዕ ጀሚሩ። ካልኣይ ዓመት ከይወድአ ግን፡ በቲ ሽዑ ዝነበረ ክቱር ሃገራዊ ስምዒት ተደሪኹ፡ ናብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ መጋቢት 1972 ዓ.ም ወጺኡ።ኣብ 1973 ከም ኮሚሳር ጋንታ ቀጺሉ ከም ኮሚሳር ሓይሊ ባሕሪ፡ቀጺሉ ከም ኮሚሳር ቦጦሎኒ ኮይኑ ሰሪሑ። ኣብ 1977 ዝተገብረ ቀዳማይ ዉድባዊ ጉባእ ህ.ግ፡ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ዉድብ ኮይኑ ተመሪጹ። ካብ 1977 ክሳብ 1987 ከኣ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ። ብድሕሪኡ ክሳብ ናጽነት ኣብ ዘሎ ግዜ ከኣ ከም ኣባል ማእከላይ ሽማግለ፡ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብን ተሓጋጋዚ ጠቅላሊ ስታፍን ኮይኑ ብምግልጋል፡ዓርቢ 24 ግንቦት 1991 ምስቲ ነቲ ዉግእ ዘውሃህድ ዝነበረ ላዕለዋይ እዚ ን ኣስመራ ኣትዩ። ሜ/ጀ ብርሃነ ኣብ መጀመርያ ናጽነት ከም ጻሓፊ ክፍሊ ኢንዳስትሪ፡ ቀጺሉ ከም ኣማሓዳሪ ኣውራጃ ሓማሴን ድሕሪ ምስርሑ፡ ናብ ምክልካል ብምምላስ ብደረጃ ሜጀር ጀነራል መዓርግ ተዋሂቡ። ከም ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ኤርትራ ኮይኑ ኣገልጊሉ።
ካብ 1998 ንደሓር ከኣ ከም ኣዛዚ ሃገራዊ ዕቁር ሰራዊት ኮይኑ ክሳብ ዕለተ ማእሰርቱ ብልዕል ተወፋይነት ሰሪሑ።ሜ/ጀነራል ብርሃነ ገረጊሄር ምስቶም ንለውጢ ዝጠለቡ ብጾቱ ኣብ 2001 ብጉጅለ 15 ተባሂሎም ዝፍለጡ ክሳብ ሕጂ ተኣሲሮም ዘለዉ እዩ። ቀጺለ ሜ/ጀ ብርሃነ ገረዝጊሄር ምስ ጋዜጣ መቃልሕ ዝገበሮ ቃለ መጠየቅ ከስግረኩም ።
ጋዜጣ መቓልሕ፡ ንሜ/ ጀ ብርሃነ ነዚ ቃለ መጠይቕ ክገብር ግዚኡ ሰዊኡ ፍቓደኛ ብምዃኑ ብስማን ብስም ኣንበብታን እናመስገነት፡ ናብ'ቲ ዝተገብረ ቃለመጠይቕ ተሕልፈኩም፡-
መቓልሕ፡- ብመጀመሪያ ንዝሃብካና ዕድል ካብ ልቢ እናመስገንና፡ ብኸመይ ናብ ገድሊ ከምዝተሰለፍካን፡ ናብኡ ክትከይድ እንታይ ዓይነት ስምዒት ከምዝደፋፍኣካን'ዶ መዕለልካና?
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ኣቐዲመ ብሕታዊት ጋዜጣ መቓልሕ ንዘርኣየቶ ተገዳስነት እናመስገንኩ፡ ኣብ ሃገርና ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ የመጉስ። ቀጺለ ናብ ሕቶኻ ክኣቱ፡ ኣብ 60'ታት እቲ ዝነበረ መግዛእታዊ ናይ ፖለቲካ ሃዋህው፡ ምፍራስ ፈደረሽንን ምጉባጥ ኤርትራ ብስርዓት ሃ/ስላሴን፡ ከም ኩሎም ናይ'ቲ ሽዑ እዋን ተማሃሮ፡ ገለ ናይ ምግዳል ስምዒት ክሓድረኒ ክኢሉ። ብድሕሪኡ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ሓያል ዝኾነ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ስለ ዝነበረ፡ ንሕና ኤርትራውያን'ውን ብዛዕባ ሃገርና ዝያዳ ክንግደስ ገይሩና'ዩ። ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ድሮ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩስ፡ ምዕባለታት የርኢ ስለ ዝነበረ፡ ንሕና'ውን ብዛዕባ ሜዳ ምውጻእ ክንመያየጥን ክንሓስብን ጀሚርና። ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ(ህ.ሓ.ሓ.ኤ) ዝበሃል ብበዓል ዑስማን ሳልሕ ሳበ ዝምራሕ ቅኑዕ ምንቅስቓስ ካብ ጀብሃ ተነጺሉ ምስ ሰማዕና፡ በቃ ብዘይምስምስ ክንስለፍ ወሲንና። ሰባት ናብ'ቲ ቦታ ዝወስዱ ደሊና፡ ሓደ ርስቶም ዝበሃል ስውእ ብጻይ ረኺብና። ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ መጋቢት 1972 ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊስና ኣብ 4ይ መዓልቲ፡ ናብ ሰሜናዊ ባሕሪ ርእሲ ዓዲ ዝበሃል መሬት እምባ ደርሆ ኣቲና። ናብ'ቲ ሽዑ እዋን 2ይ ወገን ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ክፋል ህ.ሓ.ሓ.ኤ ድማ፡ ተጸንቢርና።
መቓልሕ፡-መ ጀመሪያ ክትስለፍ እንከሎኻ፡ ምስ'ቲ ቅድሚ ምስላፍካ ዝነበረካ ትጽቢት ተቓድዩ'ዶ ዋላስ...?
ሜ. ጀ ብርሃነ፡- ክንወጽእ ክንሓስብ እንከሎና፡ ኣቐዲምና ንብዙሕ ኣዋርሕ ስነ-ኣእምሮኣውን ኣካላውን ምቅርራባት ንገብር ነይርና። ኣብ'ቲ እዋን'ቲ፡ ካብ ኣራት ኪሎ ዩኒቨርስቲ እናተበገስና፡
እንጠጦ ዝበሃል ጎቦታት ኣዲስ ኣበባ እናኸድና፡ ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ንገብር ነይርና ኢና። እዚ ምስ ወጻና ከጋጥመና ዝኽእል ድኻምን ኣካላዊ ተጻዋርነትን ንምልምማድ'ዩ ነይሩ። ስለ'ዚ፡ ኩሉ ተዳሊናሉ ኢና ወጺእና። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብ ታዕሊም ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ብዙሕ ዘጋጠመና ጸገም ኣይነበረን። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ከኣ፡ ኣብ'ቲ ዝኸድናሉ ቦታ ብዙሕ ጥሜትን ጽምእን ኣይነበረን።
መቓልሕ፡- ገለ ገለ ባእታታት፡ “ኲናት ሓድሕድ ብሰላማዊ መንገዲ ክእለ ይኽእል ነይሩ'ዩ።ዎ ይብሉ'ዮም። ነዚ ከመይ ትርእዮ?
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- እዚ ብኹሉ መልክዓቱ ክርአ እንከሎ ውሳኔ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ'ዩ። መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ ሃገራዊ ዕላማ ይንበሮ'ምበር፡ ኣብ ኣሰራርሕኡ/ኣከያይድኡ ንጹር ዘይኮነ መስመር
ሒዙ ይኸይድ ስለዝነበረ፡ ነዚ መስመር'ዚ ተቓዊሙ፡ ህ.ሓ.ሓ.ኤ ከምዝተፈልየ ኩሉ ዝፈልጦ'ዩ። እዚ ኲናት'ዚ ካብ'ቲ፡ “ኣብ ሜዳ ኤርትራ ልዕሊ ሓደ ውድብ ክህሉ የብሉን።ዎ ዝብል ጭርሖ ተ.ሓ.ኤ'ዩ ዝብገስ። ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ንሕና፡ “እቲ ዝነበረ ፍልልይ ካልኣዊ'ዩ። ፍልልያት ብዘተን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብን ክፍታሕ ይኽእል'ዩዎ ዝብል መርገጺ'ዩ ነይሩና። እንተኾነ፡ ተ.ሓ.ኤ፡ ኣብ ልዕሌና እውጅ ኲናት ስለዝኸፈቱ፡ ንሕና'ውን ክንከላኸል ተገዲድና። ብኸም'ዚ እቲ ኲናት ተ ጀሚሩ። ሕጂ፡ “ሰለማዊ ፍታሕ ክርከብ ይኽእል ድዩ?ዎ ዝብል ሕቶ፡ ኣነ ብወገነይ ካልእ ክመጽእ ዝኽእል ፍታሕ ኣይነበረን'የ ዝብል።
መቓልሕ፡- ኣብ ሜዳ እቲ ኣዝዩ ኣዎንታዊ ጎድኒ ህ.ግ ትብሎ እንታይ'ዩ? ኣሉታዊ'ኸ?
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- እቲ ኣዎንታዊ ጎኒ ህ.ግ፡ ከም'ቲ ኩሉ ተጋዳላይ ህ.ግ ዝፈልጦን ዝሰርሓሉን፡ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ጸላኢ'ውን ከይተረፈ ዘድንቖ ኣሰራርሓታት፡ ሓድነት፡ ምትእምማን፡ ብጻይነት፡ ተወፋይነት፡ ፍቕርን ሓልዮትን'ዩ ነይሩ። እዚ ብግብሪ ዝተሰርሐ ከኣ'ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ዋላ ነቲ ፈላማ ውድብ ዝኾነ ተ.ሓ.ኤ ገዲፉ፡ ናብ ህ..ግ ዝተጸንበረን ናጽነቱ ብመንገዱ ዘረጋገጸን። እንተኾነ፡ ዋላ ኣብ'ዚ እውን፡ ኩሉ ነገር ጽቡቕ'ዩ ነይሩ፡ ዝኾነ ይኹን ጌጋታት ኣይነበረናን ክንብል ኣይንኽልን ኢና። ግን፡ ብምንጽጻር ኣሉታውን ኣዎንታውን መዳያት፡ ሰብ ነናቱ ሚእታዊት ክህቦ ይኽእል'ዩ። ብወገነይ እቲ ኣዎዎንታዊ ኣዝዩ ዓቢ ነይሩ።
መቓልሕ፡- እሞ እቲ ኣዎንታዊ ጎድኒ ህ.ግ ሕጂ ህግደፍ ዓቂብዎ'ሎ'ዶ ትብል?
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ኣነ ነዚ ብኣሉታ'የ ዝምልሶ። እቲ ሕጂ ዘሎ ዕግበት፡ ምስ'ቲ ናይ ቀደም ክነጻጸር እንከሎ ብኣንጻሩ'ዩ። እዚ ዝበዝሕ ህዝቢ ዝዛረበሉን፡ ኡይ ዝብለሉን ዘሎ ሓቂ'ዩ። ዋላ'ኳ ኣነ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህ.ግ.ደ.ፍ ይኹን፡ ከም ሰብ ግን፡ ብዙሕ ዘይዓቀብናዮ ስርሓት ከምዘሎ ይርኣየኒ'ዩ። ብፍላይ ንትካላዊ ኣሰራርሓ፡ ንሓድነትና፡ ንመሪሕነትን ንኣረኣእያ ህዝብና ኣብ ልዕሊ'ቲ ግንባርን ዝምልከት፡ ህዝቢ ብዙሕ ዘይዓገበሎም ሕቶታት ከምዘለው'የ ዝፈልጥ።
መቓልሕ፡- እዚ ካብ ምንታይ ይመስለካ? ሰብኣዊ ዓቕሚ ናይ'ቲ ግንባር ስለዝደኸመ ድ'ዩ ዋላስ ካልእ'ዩ?

 

ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ኣነ ብዝመስለኒ፡ ልዕሊ'ቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ኣሰራርሓ ክንከይድ'ኳ እንተነበረና፡ ሕጂ ግን ከም'ቲ ናይ ሜዳ ዝተጓዓዝናዮ'ውን ክንስጉም ኣይከኣልናን። እቲ ምኽንያት ድማ፡ ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን ተኸቲልና ክንጓዓዝ ስለዘይጸናሕና እዩ። ሕጋዊ፡ ትካላውን ባ ጀታውን ብዝኾነ መንገዲ ዓመታዊ ገምጋም እናገበርና፡ እሂን ምሂን እናተበሃሃልና ንጉዓዝ ዘይምህላውና'ዩ እቲ ጸገም።
መቓልሕ፡- ወያነ ክወሩና እዮም ኢልካ ሓሲብካ ትፈልጥ'ዶ?
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ኣነ ወያነ ከም ውልቀ ሰባት ይኹን ከም ስርዓት ብዓቕመይ ይፈልጦም'የ እየ ዝብል። ዝምድናና ከመይ ኢሉ'ዩ ጀሚሩን ማዕቢሉን? ከመይ ኢሉ ናብ'ዚ በጺሑን? ዝብሉ ሕቶታት፡ ብዝምልከቶም ኣካላት ዝተዘርበሉ ሓቂ ድማ ስለዝኾነ፡ ዝተፈልየ ርእይቶ የብለይን። ምስ ወያነ ዝነበረና ዝምድናታት፡ ኣብ 1978፡ 79፡ 80'ታት ብፍላይ እናሓርፈፈ'ዩ መጺኡ። ኣብ 1985 ከኣ፡ ብወግዒ ምስ ወያነ ዝምድና በቲኽና ኢና። ኣጋጣሚ ኮይኑ ምስ ወያነ ዝምድና ኣብ ዝበተኽናሉ እዋን፡ ምስ ብጻይ ስብሓት ኤፍረም ኣብ ካርቱም ከይድና ዝምድናና ብወግዒ በቲኽና። ከምኡ ዘግበረና ምኽንያት ድማ፡ ወያነ፡ “ህ.ግ ኣግላሲ ዝኾነ ውድብ'ዩ፡ ህ.ግ ናጽነት ከምጽእ ዘይክእል ናይ ብርጅዋ ውድብ'ዩዎ ዝብል ጸለመታት ኣንጻርና የካይድ ስለ ዝነበረ'ዩ። ብድሕሪኡ ንናደው ምስ ደምሰስና፡ ንዓናን ነቲ ዝሰራሕናዮ ዓወትን ዘመጉስ፡ ብሬድዮ ፈነውኦም ክዝምሩ ጀሚሮም፡ ብሓባር ክንሰርሕ ድማ፡ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ኣብ'ቲ ኣብ 1989 ዝተገብረ መጥቃዕቲ ሽረ እንዳ ስላሴ ድማ፡ ክንተሓባባሮም ሓቲቶምና። ኣብ'ቲ እዋን'ቲ፡ ነቲ ዕቱብ ተሳትፎ ሓይሊ ህ.ግ ወኪለ ከይደ። ኣብ'ቲ ስራሕ ብምስታፍ፡ ዳርጋ ብሙሉኡ ትግራይ ብምሕራር መዳርግቲ ዘይብሉ ተራ ተጻዊትና ኢና። ኣብ'ዚ እዋን'ዚ፡ “ወያነ ኣንጻርና ይሰርሑ ነይሮም እንድ'ዮም? ከመይ ኢልና ምስኦም ክንተሓባበር ጸኒሕና?ዎ ዝብል ዘረባታት ይስማዕ'ዩ። እንተኾነ፡ ንሕና ዕላማና ምስ ዝኾነ ጸላኢ ደርግ ብምትሕብባር፡ ነቲ ዝዓበየ ናይ ሓባር ጸላኢና ንምድምሳስ ከምዝነበረ ክፍለጥ ኣለዎ። እዚ ኣብ'ቲ እዋን ቅኑዕ ውሳኔ'ዩ ነይሩ። ብድሕሪኡ፡ ወያነ ንሕቶ ረፈረንደም ኤርትራ ምድጋፉ፡ ኣብ ዝምድናና ቀሊል ተራ ኣይነበሮን። ቀጺሉ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ዝረአ ዝነበረ ናይ ንግድን ካልኦት ሕቶታትን ነይሩ'ዩ። ኣብ መወዳእታ 96 ከምኡ'ውን መ ጀመሪያ 97 ግን፡ ግሁድ ዝኾነ ምግሃስ ውዕላትን ዶባትን ይረአ ነይሩ'ዩ። እንተኾነ፡ “ክወሩና ይኽእሉ'ዮምዎ ዝብል ግምት ነይሩካ'ዶ ንዝብል፡ ኣነ ገለ ገለ ጎንጽታት ከልዕሉ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ግምት ነይሩኒ ይኸውን፡ እቲ ግጭት ናብ'ዚ ደረጃ'ዚ ይድይብ'ዩ ዝብል ግምት ነይሩኒ ክብል ግን፡ ቁሩብ የጸግመኒ'ዩ። ነገርና ይደልዩና ምንባሮም፡ እቲ ኩነታት ናብ ውግእ ከምርሕ ከምዝኽእል ግን፡ እቲ ምልክታት ይርኣየኒ ነይሩ'ዩ።
መቓልሕ፡- ካልኣይን ሳልሳይን ወራር ወያነ፡ ብሓያል መኸተ ሓይልታት ምክልኻልን ህዝብን ኤርትራ እንተፈሸለ'ኳ፡ ብሓደ ሓደ ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ግን፡ ኤርትራውያን ተሳዒሮም'ዮም ዝብል ጸብጻባት ነይሩ'ዩ። ነዚ እንታይ መልሲ ትህበሉ?
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ቅድሚ ነቲ ሕቶ ምምላሰሰይ ኣቐዲመ ብዛዕባ ኲናትን(war) ውግእን( battle)፡ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልያትን ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጽ እደሊ። ምኽንያቱ፡ ወትሃደራዊ ዓወትን ስዕረትን ምስ ኲናትን ውግእን ተዛሚዱ ስለ ዝኸይድ። ውትህድርና(Military) ስነ-ፍልጠት(Science) እዩ። ስነ-ፍልጠት ስለዝኾነ ድማ፡ ዝኾነ ሰብ ከም ዝመስሎ ወይ ከም ድላዩ ክትርጉሞ ወይ ክገልጾ ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ፡ ናቱ ሕግታት፡ ጭቡጥ ግብራዊ ታሪኻዊ ይኹን ክልሰ-ሓሳባዊ መግለጺታት ስለዘለዎ።

 

ብወገነይ ቅድሚ ስዒርና ወይ ተሳዒርና ምባል፡ ዓወትን ስዕረትን ምስ ናይ ቀንዲ ዕላማ ወያነን ናትና ዕላማን፡ ብመንጽር ንዕኡ ንምትግባር ዝተወስዱ ስልታዊ ስጉምትታትን ተኣሳሲሩ ክግለጽ ኣለዎ። ኣብ ግንቦት 1998፡ እቲ ውግእ ምስ ተ ጀመረ፡ ወያነ “ሻዕብያ ነመሓድሮ ዝነበርና መሬት ብሓይሊ ሒዞም ልኡላውነትና ደፊሮም ስለዘሎዉ፡ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ካብ መሬትና እንተዘይወጺኦም መሬትና ብሓይሊ ክንመልሶ ኢና።ዎ ኢሎም። ብመንገዲ ባይቶኦም ኣብ ልዕሌና ኲናት(ኀሽቶ) ኣዊጆም። ብኣንጻሩ ንሕና፡ “እዚ ጉዳይ'ዚ ጉዳይ ዶብ እዩ። ሕቶ ዶብ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ብመሰረት ዝወረስናዮ መግዛእቲ ውዕላት ዶብ ክሕንጸጽን ብሰላም ክፍታሕን።ዎ ዝብል መርገጺ ሒዝና ንኣዋጅ ኲናት ቸዊምና።
ኣብ ለካቲት 1999፡ ወያነ ካልኣይ ወራር ጀሚሮም፡ ነቲ፡ “መሬትና እዩ፡ ነመሓድሮ ነይርና ኢና።ዎ ዝብልዎ ከባቢ ባድመ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንውሽጢ ኤርትራ ብምእታው ገለ ገለ ቦታታት ክሕዙ ክኢሎም። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ መደቦም ክሳብ ኣስመራ ምእታው ምንባሩ ክበርህ ክኢሉ። ካብ'ዚ ክበርህ ከምዝኸኣለ እምበኣር፡-
1. ናይ ወያነ ናይ መወዳእታ ዕላማ ነቲ ተታሒዙና ዝብልዎ ዝነበሩ መሬት ምምላስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንህ.ግ ደምሲስካ ወይ ኣዳኸïምካ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ወያነ ጽግዕተኛ ዝኾነ ስርዓት ምትካል እዩ ነይሩ።
2. ብመንጽር ናይ'ዚ፡ እንተድኣ ናይ ወያነ ናይ መወዳእታ ዕላማ ንህ.ግ ምድምሳስ ወይ ምድኻም ኮይኑ፡ ንሕና'ውን ከም ሃገርን ህዝብን ክንህሉ እንተኾይንና ስርዓት ወያነ ክድምሰስ ወይ ክበታተን ኣለዎ። ስለ'ዚ፡ ናይ መወዳእታ ዕላማና ንወያነ ከም ስርዓት ምድምሳስ ወይ ምብትታን ኽውን ባህርያዊ እዩ። እዚ እቲ ፖለቲካዊ መዳይ ኮይኑ፡ እዚ ፖለቲካዊ ውሳነታት'ዚ ብሰላም እንተዘይመጺኡ፡ እቲ ካልእ ኣማራጺ ብሓይሊ ብጎነጽ ምፍታሕ እዩ። እዚ ድማ፡ ኲናት ይበሃል። ኲናት እምበኣር መቐጸልታ ፖለቲካ ኮይኑ፡ ንናይ መወዳእታ ዕላማኻ ብሓይሊ ብረት ምትግባር እዩ። ሓደ ካብ'ቲ ነዚ ዕላማ'ዚ ትጥቀመሉ ኣገባብ ድማ፡ ወትሃደራዊ ስርሒታት፡ ውግኣት(battles) እዩ። ዕላማ ናይ'ዚ ውግኣት'ዚ ከኣ፡ ንጸላኢ ደምሲስካ፡ በታቲንካ ወይ ደፊእካ እትደልዮ ቦታታት በብንእሽቶ ወይ ሰፊሕ መሬት ኣብ ሓደ እዋን ምሓዝ እዩ። እዚ ምስ ሚዛን ሓይሊ(ዓቕሚ ሰብ፡ ኣጽዋር... ሞራል ወዘተ) ወይ እውን ምስ ብልሓት(ስልቲ) ውግእ ዝተኣሳሰር እዩ። እቲ ውግኣት ከም'ዚ ኢሉ ክውሕድ ወይ ክበዝሕ ይኽእል። ነብሲ ወከፍ ውግእ(battle) ድማ፡ ናቱ ዓወትን ስዕረትን ኣለዎ።
ኣብ ግንቦት 2000 ወያነ ሳልሳይ ወራር ጀሚሮም፡ ውሽጢ ኤርትራ ብምእታው ዝበዝሕ ክፋል ዞባ ጋሽ ባርካ እንተላይ ባረንቱ፡ ዓቢ ክፋል ዞባ ደቡብ እንተላይ ሰንዓፈ ክሕዙ ክኢሎም። ኣብ'ዚ ዝተጠቕሰ ቦታታት ዝነበረ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ሃንደበት ንብረቱን ገዝኡን ገዲፉ ብምዝንባሉ ከኣ፡ ሕማቕ ኣጋጢሙና። ምስ ወያነ ሰለስተ ወራራት ኣካይድና። ኣብ'ቲ ቀዳማይ ወራር ንሓይሊ ወያነ ደፊእና መሬትና ክንሕዝ ክኢልና። ኣብ'ቲ ካልኣይን ሳልሳይን ወራራት ወያነ ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ክሕዙ ክኢሎም።
ውግእ( battle) ንጸላኢኻ ደምሲስካ ወይ በታቲንካ ወይ ደፊእካ ነቲ ይብጽሓኒ ትብሎ መሬት ብሓይሊ ምሓዝ ካብ ኮነ፡ ብ ጀካ ብዓወት ወይ ስዕረት ካልእ ወትሃደራዊ መግለጺ የብሉን። ምናልባት እቲ ዘሰሓሕብ ቦታታት ክልቲኡ ወገናት ክደፍእ እንተዘይክኢሉ ብጃላነት(stalemate) ክግለጽ ይከኣል እዩ። ካብ'ዚ ወጻኢ ወትሃደራዊ መግለጺ እንተልዩ ድማ፡ ክሰምዕን ክመሃርን ድሉው እየ። እዚ ነቲ ዝተኻየደ ውግኣት ጥራይ ዝምልከት እዩ።

ኣብ'ቲ ኲናት(war) መጺእና ምስ እንርኢ፡ ወያነ ናይ መወዳእታ ዕላምኦም ኣብ ኤርትራ ካልእ ስርዓት ንምምጻእ ስለዝነበረ ኣይተዓወቱን። እቲ ክቕጽል ዝኽእል ዝነበረ ውግኣት ድማ፡ ብስምምዕ ሰላም ኣብ'ዚ ዘለዎ ኩነታት በጺሑ ይርከብ። ውግእ ቀጺሉ ነይሩ እንተዝኸውን፡ እንታይ ለውጢ ክመጽእ ከምዝኽእል ድማ፡ ክፈልጦ ዝኽእል የልቦን። ኣብ መወዳእታ ግን፡ እቲ ፍትሓዊ ኲናት ክዕወት ምዃኑ ርዱእ እዩ። ከም'ቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ኣብ ውግእ ክትደፍእን ክትድፋእን ዝነበረን ዘሎን እዩ። ኣብ'ቲ መወዳእታ ግን፡ እቲ ፍትሓዊ ኲናት'ዩ ዝዕወት ዝብል ጭርሖ ኣብ ሕጂ በጺሑ ክቕየር ኣይክእልን እዩ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ናይ 30 ዓመት ተሞክሮታትና ዝተራእየ እዩ። ወያነ ድማ፡ ብሓይሊ፡ ብዓቕሚ ብብቕዓት እዮም ሰፊሕ

 

መሬትና ሒዞም ዝብል እምነት የብለይን። እዚ ዝኾነ ሰብ፡ ህዝቢ ይኹን ሰራዊት ዝዛረበሉ ሓቂ እዩ። ሓቀኛ፡ ቅኑዕን ደቂቕን ገምጋም ግን፡ ክግበር ኣለዎ።
መቓልሕ፡- ኣብ ሳልሳይ ወራር፡ “ብዙሕ ናይ ኣጽዋር ዋሕዲ፡ ናይ ሰብኣዊ ኣወዳድባ ሃጓፍ፡ ናይ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሸለልትነትን ነይሩና።ዎ ይበሃል'ዩ። ንስኻ ብዛዕባ'ዚ እንታይ ምበልካ?
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ብወገነይ ወያነ ሰፊሕ መሬትና ክሕዝ ዝኸኣለ፡ ብሰንኪ ኣጽዋር፡ ብሰንኪ ሰብኣዊ ዓቕምን፡ ብሰንኪ ኣዘዝቲ ሰራዊትን'ዩ ኣጋጢሙና፡ ዝብል ርእይቶ የብለይን።
መቓልሕ፡- ወያነ ኣብ እዋን 3ይ ወራር ክሳብ ኣስመራ ንምብጻሕ'ዩ ነይሩ ዕላምኦም። ቀንዲ ምስጢር ፍሽለቶም እንታይ'ዩ ትብል?
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- እዚ ፍሉጥ'ዩ። ናይ ወያነ ዕላማ ኣስመራ ምእታው ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣስመራ ኣቲኻ ስርዓት ምቕያር'ዩ። እዚ ዳሕራይ ባዕሎም ዝተዛረቡሉ ሓቂ'ዩ። እንተኾነ፡ ዋላ'ኳ ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ክቖጻጸሩ እንተኸኣሉ፡ ሳላ ጅግና ሰራዊትናን ህዝብናን፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ዕላምኦም ከተግብሩ ኣይከኣሉን። እዚ፡ ውጽኢት ናይ'ቲ ህዝብን ሰራዊትን ዘርኣዮ ፍሉይ ተወፋይነት'ዩ።
መቓልሕ፡- መኸተ ዋርሳይ ኣብ'ዚ ናይ ወያነ ኩነታት ከመይ ትግምግሞ?
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ዋርሳይ ካብ ክውንነት ናይ ኤርትራ፡ ካብ ቤተሰቡ፡ ካብ ዓበይቲ የሕዋቱን (ተጋደልቲ)፡ ካብ ሕ/ሰብን ዝወረሶ ሃገራዊ ስምዒት ስለዘለዎ፡ ካብ'ቲ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ዝፈልዮ ምንም ነገር የልቦን። ኩሉ'ቲ ጅግንነት፡ ኒሕን ሓቦን ካብ ኣያታቱ ወሪስዎ'ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ፡ ዋላ'ኳ እቲ ኲናት ሃንደበት ዝመጸና እንተኾነ፡ ብዘይካ'ቲ ኣብ'ቲ መ ጀመርያ ዝተራእየ ውሑዳት ጸገማት፡ ካልእ ሓቂ ብሓቂ ወራሲ ሕድሪ ምዃኑ ብግብሪ ኣረጋጊጹ'ዩ።
መቓልሕ፡- ኣብ መ ጀመሪያ ናጽነት ሓላፊ ክፍሊ ኢንዳስትሪ፡ ቀጺልካ ከኣ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሓማሴን፡ ካብኡ ግን፡ ናብ ወትሃደራዊ መዳይ ብምኻድ ናይ ሜ ጀር ጀነራል ማዕርግ ረኸïብካ። እዚ ምቅይያር ስለምንታይ'ዩ? እንታይ'ከ ተሰሚዑካ?
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ንዓይ ከም'ዚ ዝበልካዮ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኣብ ሓጺር ግዜ ብቐጻሊ ምቅይያር ጽቡቕ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ስምዒተይ ብኣሉታ ዝጸለወኒ ኣይነበረን። ብፍላይ ኣብ'ቲ ናብ ውትህድርና ዝተመለስኩሉ፡ ኣብ ሰራዊት ናይ ምጥያስ ናይ ዘይርጉእ ኩነታት ኣብ ሰራዊት ስለዘነበረ፡ ኣነ ድማ፡ እዚ ኩነታት'ዚ ንምቕያር ድሌትን ተገዳስነትን ስለ ዝነበረኒ፡ ንቦታ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ኮይንካ ምስራሕ፡ ብኣዝዩ ጽቡቕ ዝኾነ መንፈስ'የ ተቐቢለዮ።
መቓልሕ፡- ኣብ ግዜ 3ይ ወራር መዝነትካ እንታይ'ዩ ነይሩ? ነየናይ ግንባር ኢኻ'ኸ ትእዝዝ ነይርካ?
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ኣብ'ቲ ግዜ'ቲ ፍሉይ ዝነበረኒ ሓላፍነት ኣይነበረን። ኣነ ጠጠው ኢለ'የ ነይረ። እቲ ውግእ ምስተ ጀመረ ግን፡ ስርሐይ ቀጺለ። ምስ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ካልኦት ብጾተይን ድማ፡ እቲ ወራር ጠጠው ክሳብ ዝብል ኣብ ላዕለዋይ እዚ ኮይነ ሰሪሐ።
መቓልሕ፡- ኣብ ስራሕ ከም ዘየሎኻ፡ ካብ ሓላፍነትካ ከምዝወረድካን መዓርግካ ከይተረፈ ከም ዝተቐንጠጥካ ይስማዕ እዩ። እዚ ማዕረ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ? ሓቂ እንተኾይኑ'ኸ እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ?
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- እዚ ጉዳይ'ዚ ኣነ'ውን ካብ'ቲ ዝሓተሉን ገና መልሲ ዘይረኸብኩሉን ሕቶ እዩ። ውልቃዊ ጉዳየይ ኣልዒለ ክዛረብ ኣይምፈተኹን። ዋላ'ኳ ክዛረብ መሰለይን ግቡአይን እንተኾነ። እንተኾነ፡ እቲ ጉዳይ ብወግዒ ዘይምግላጹ፡ ኣብ ልዕለይ ይኹን ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ካልኦት ዝድስክሉ ዝነበሩን ዘለውን ብጾተይ ዘመሓላልፎ ኣሉታዊ መልእኽቲ ስለዘለዎ፡ እቲ ምኽንያት ብሓቂ ንህዝቢ ክግለጽ ስለዝደለኹ እዩ። ንሱ ድማ፡ ምስ ኣብ ህ.ግ ዝጸንሐ ክቱር እምነትን ዘይምግላጹን፡ “ገለ ነገር እንተዘይርከቦም'ዶ ምደስከሉ? ...ወዘተዎ ዝብል ምጥርጣራት ኣብ ልዕሊ እቶም ዝደስከሉ ስለዘሕድር እዩ። ብፍላይ ካብ'ዚ ተበጊሰ ድማ፡ እቲ ኣነ ዝፈልጦ ሓቂ ከብርህ ክፍትን እየ።
ብዕለት 11 ጥሪ 2001፡ ካብ ሓላፍነተይ ከምዝወረድኩን መዓርገይ ከም ዝተሓደግኩን ብሚኒስተር ምክልኻል፡ ብቓል ተሓቢሩኒ። ብወገነይ ብዕለት 12 ጥሪ 2001 ብሚ/ር ምክልኻል ዝተሓበረኒ፡ ካብ ሓላፍነተይ ምውራድን መዓርገይ ምሕዳግን ምኽንያት፡ ኣነ ጥራይ ዘይኮነ ከም ኣባል ናይ ክልቲኡ ባይቶታት፡ ኣባላት ባይቶ ክፈልጥዎን ህዝቢ እውን ክፈልጦ ስለ ዝግባእ፡ ብወግዒ ብጽሑፍ ክወሃበኒ ትሓትት ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ልኢኸ። ኣብ ርእሲኡ 30 ዓመታት ዝቸለስኩሉ ዕላማ ንሃገረይን ንህዝበይን ስለዝኾነ፡ ሕጂ'ውን ንዕላማ ቃልሰይ ክቕጽሎ ምዃነይ ጠቒሰ። ምኽንያቱ ተዋሂቡኒ ዘሎ ሓላፍነት ይኹን መዓርግ ን20 ዓመታት ኣብ ሳሕል ከርተት ናይ ዝበልክዎ ጻማ እምበር ብፍቶት ወይ ብህያብ ዝተተኹበለይ ስለዘይኮነ፡ ፍረ ቃልሰይ፡ ነባሪ ታሪኸይን መንነተይን ድማ ማንም ሰብ ዝሓኮ ኣይኮነን። ብዛዕባ ዘጉደልኩዎ ነገር እንተሎ ድማ(ዝኾነ ሕርኽርኽ ዝብል ዘይብለይ እኳ እንተኾንኩ) ብሕጊ ክሕተትን ሕጋዊ ስጉምቲ ብነጻ ፍርዳዊ ኣካል ክውሰደለይን ሓንጎፋይ ኢለ ዝቕበሎ ምዃነይን ከፍልጥ እደሊ። ምኽንያቱ ዝኾነ ሰብ ልዕሊ ሕጊ ስለዘይኮነን ብሕጊ ክሕተት ስለዘለዎን።
እንተኾነ ብዕለት 20 ጥሪ 2001 ጸሓፊት ፕረዚደንት ብቃል፡ ብተሌፎን ደብዳቤይ ፕረዚደንት ክቕበሎ ፍቓደኛ ከምዘይኮነን፡ ንሚ/ር ምክልኻል ክህቦ ከምዘሎንን ሓቢራ ደብዳቤይ መሊሳትለይ። ብዕለት 06 ለካቲት 2001 ንሚ/ር ምክልኻል ብመሰረት ሓበሬትኡ ንፕረዚደንት ዝጸሓፍኩሉ ደብዳቤን፡ ዝተዋህበኒ ናይ ቃል መልስን ዝሕብር 2 ሕቶታት ክምልሰለይ ብደብዳቤ ሓቲተ። ንሱ ድማ፡-
1. ስለምንታይ ካብ ሓላፍነተይ ከምዝወረድኩን መዓርገይ ከምዝተሓደግኩን ብወግዒ ብጽሑፍ ክወሃበኒ።
2. መንግስቲ ዘየድልዮ እንተኾይነ፡ ናይ ስንብታ ወረቐት ክወሃበኒ ዝብል እዩ። ክሳብ ሕጂ 4 ወርሒ ሓሊፉ ዝተዋህበኒ መልሲ የለን። ብወገነይ ሕርኽርኽ ዝብለኒ ነገር ከምዘየለ፡ ስለዚ፡ እቲ ምኽንያት ብንጹር ክፍለጥ ደጊመ ዝሓተሉ ዘሎኹ ጉዳይ'ዩ።
መቓልሕ፡- ኣብ ሳልሳይ ወራር፡ ወያነ ዝሰሎኹሉ ቦታታት ዕቑር ሰራዊት ዝቖጻጸርዎ'ዩ ነይሩ ይበሃል'ዩ። በዚ ድማ፡ ገለ ገለ ሰባት ነቲ ናትካ ምስጓግ ምስኡ የተኣሳስርዎ'ዮም። ንስኻ'ኸ እንታይ ርእይቶ ኣሎካ?
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ወያነ ዝሰሎኹሉ ቦታታት፡ ኣብ ትሕቲ እዚ ናይ ዕቑር ሰራዊት ኣይነበረን። እቲ ቦታታት፡ መሬት ዛይደ ኮሎም፡ ከባቢ ትኹል፡ ደቦናን ማይ ጤልን ዝበሃል ከባቢታት እዩ። እዚ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ እዚ ናይ ዕቑር ሰራዊት ዘይምንባሩ በዚ ኣጋጣሚ ከረጋግጸልካ እፈቱ። ፍሉይ ኣነ ዝቖጻጸሮ ግንባር ኣይነበረን። ብናተይ ናይ ኣመራርሓ ድኽመት ዝፈረሰ ግንባር የለን፡ ብናተይ ናይ ኣማራርሓ ድኽመት ኣብ ሃገር ዝወረደ ስግኣት ከምዘየለ እፈልጥ።
መቓልሕ፡- ንስኻ ደስኪለ ኢኻ ትብል ዘሎኻ። ፕረዚደንት ግን፡ ምስ ጋዜጣ ናጽነትን መጽሄት ሕውየትን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠየቕ፡ ምድስካል ዝበሃል ነገር ከምዘየሎን፡ ፍጹም ከምዘይቅበሎን'ዩ ገሊጹ። ብወገንካ ነዚ ከመይ ትርእዮ?

ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- እዚ ከም ቃል ኣብ ሜዳ፡ ኣብ ውሽጢ ህ.ግ ኣይፍለጥን'ዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ካብ 1993 ንደሓር ዝተዋህበ መግለጺ'ዩ። ትርጉሙ ኣብ ህዝቢ ድማ፡ ከም ካብ ስራሕ መንግስቲ ደው ምባልን፡ ደሞዝካ ኮፍ ኢልካ ምብላዕን እዩ። ኣብ'ዚ ዝሓለፈ ሸውዓተ-ሸሞንተ ዓመታት፡ ንዓመት፡ ንኽልተ ዓመት፡ ንሓሙሽተ ዓመትን ልዕሊኡን ደው ዝበሉ ተጋደልቲ ኣለው። ህዝቢ ነዚኦም ደስኪሎም ኢሉ እዩ ዝጽውዖም። ካልእ ዝተዋህበ ስነ-ቃል(ሩቅቶብቕቦተባተቐኅ)

 

ስነ-ቃል(ሩቅቶብቕቦተባተቐኅ) የልቦን። ስለ'ዚ፡ ምድስካል ዝበሃል የለን ዝበሃል ኣይመስለንን። ምኽንያቱ፡ ንዓመታት ዝተጋደሉ ተጋደልቲ፡ ንዓመታት ደው ስለዝበሉ ዝተዋህበ መግለጺ ስለዝኾነ፡ ክትሓብኦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ካብ ስራሕ መንግስቲ ደው ኢሉ ኣሎ ማለት'ዩ።
መቓልሕ፡- ካብ ስልጣን ከም ዝተኣለኻን ማዕረግካ ከም ዝተሓደግካን ነጊርካና። ደሞዝካ'ኸ ትኽፈል ኣሎኻ ዲኻ?
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ደሞዝ ብሙሉኡ ይወሃበኒ'ዩ። ኣነ ግን፡ ከይሰራሕኩ ይወሃበኒ ስለዘሎ፡ ሕርኽርኽ እብለኒ። ምኽንያቱ፡ እዚ ኣነ ይኹን ካልኦት ንበልዖ ዘሎና ገንዘብ ናይ ህዝቢ'ዩ። ከይሰራሕካ ደሞዝ ክትወስድ ንዓኻ'ውን ኣይወሓጠልካን እዩ። ስለ'ዚ መንግስቲ፡ “ብቕዓት የብልካን፡ በዝን በትን ምኽንያት ንመንግስቲ ኣይተድልን ኢኻ።ዎ ዝብል እንተኾይኑ፡ ብወግዒ ብጽሑፍ መፋነዊ ተዋሂቡ ክፋኖ ኣለኒ።
መቓልሕ፡- ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ፡ ካብ ስራሕ ደው ምስ በሉ መግለጽታት ይህቡ ኣለው። ገለ ገለ ሰባት ግን፡ “ንምንታይ ቀደም ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተመሳሳሊ ተግባር እናተፈጸመ ትም ኢሎም ይርእዩ ነይሮም፡ ሕጂ ግን፡ ኣብ ነብሶም ምስ መጸቶም'ዮም ዝዛረቡ ዘለው።ዎ ይብሉ እዮም። ነዚ እንታይ መልሲ ትህበሉ?

 

ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ሓቂ'ዩ ኣብ ባይቶ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ኣብ መንጎና ዝነበረ ዘሳሓሕብ ጉዳይ ይዝረብ ኣይነበረን። ሕጂ ግን፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይዝረብ ኣሎ። እዚ ሓደ ምዕባለ'ዩ። እንተኾነ፡ “ቅድሚ ሕጂ ስለ ዘይተዘርበ፡ ንምንታይ ሕጂ ይዝረብ ኣሎ?ዎ ምባል ቅኑዕ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ቅድሚ ሕጂ ጌጋታት ነይሩ'ዩ። ስለ'ዚ፡ ብኡኡ ክቕጽል ኣለዎ ምባል ግጉይ'ዩ። እቲ ዘይዕግበት ኣብ ውሽጢñ ኣሰራርሓና፡ ካብ 1994/95-98 ዝ ጀመረ ግዜ፡ ብዙሕ ስምዒትን ዘረባን ነይሩ'ዩ። ኣብ 1998 ግን፡ ናይ ወያነ ኩነታት ስለዝመጸ፡ ንኩሉ ነገራት ኣደስኪልዎ ጸኒሑ። ድሕሪ ምንስሓብ ካብ ባድመን ድሕሪ 3ይ ወራርን፡ ከም'ቲ ዝሓሰብናዮ ስለ ዘይከደ፡ እቲ ጉዳይ ብዝተፈላለየ ኣጠማምታ ክንርእዮ ስለዝ ጀመርና፡ ኣብ 8ይ ኣኼባ ባይቶ ህግደፍ ገለ ገለ ነገር በጭቕ ክብል ጀሚሩ'ዩ። እንታይ ኮይንና ኢና ንባድመ ክንሓድጋ ክኢልና? ኣብ ኣሰራርሓና እንታይ ለውጢ ስለዘሎ'ዩ ወያነ ቦታታት ክሕዝ ክኢሉ? ኣሰራርሓና ብደቒቕ ይገምገም...ወዘተ ዝብል ርእይቶታት ብግልጺ ክውሕዝ ጀሚሩ። እንተኾነ፡ እቲ ናይ ገለ ገለ ሰባት ዘይዕግበት፡ ቅድሚኡ ዝ ጀመረን በብቕሩብ ፈኸም ክብል ዝጸንሐን እዩ።
መቓልሕ፡- ምስ ምእዋጅ ሕግታት ሰልፊ፡ ኣብ ሃገርና ሰልፍታት ቀልጢፈን ክምስረታ ትድግፍ ዲኻ? ትድግፍ እንተኾንካ ስለምንታይ? ኣይግዝይኡን እዩ። ህዝብና ኣይነቕሐን ዝበሃል ኣዘራርባ ስለዘሎ መዓስ እዩ ግዜኡ?
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ቅድሚ ናብ'ቲ ሕቶ ምእታወይ፡ ኣቐዲመ ኣሕጽር ኣቢለ ብዛዕባ'ዚ መብርሂ ክህብ እፈቱ። ሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት እንታይ ማለት እዩ? ስለምንታይ እዩ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤኡ፡ ኣብ መጻኢ ኤርትራ ብዙሕነት ሰልፍታት ኣገዳስን ጠቓምን ምዃኑ ወሲኑን ንህዝቢ ገሊጹን? ኣገዳስን ጠቓምን እንተዘይከውን፡ ስለምንታይ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብክኢላታት ዝተነድፈን፡ ብተሳትፍኡ ዘጽደjን፡ ብዙሕነት ሰልፍታት ዝሕመረቱ ፖለቲካዊ ህይወት ክህሉ ዘፍቅድ ቅዋም ብ1997 ዘጽደቐ? ስለምንታይ እዩ'ኸ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ኣብ መበል 13 ኣኼባኡ፡ ሕግታት ሰልፊ እትነድፍ ኮሚተ ዘjመን፡ ኣብ ታሕሳስ 2001 ሃገራዊ ምርጫ ክካየድ ዝወሰነን? ስለምንታይ እዩ'ኸ ኣብ ህዝቢ ወሪዱ ህዝቢ ክካትዓሉ ዝተወሰነ? ንልምምድ ወይ ግዜ ንመሕለፊ ኣይመስለንን። ጠቓምን፡ ኣገዳስን መሰልን ስለዝኾነ እዩ።
ሕጂ ኣብ ትግባረ ምስ በጽሐ ዝኾነ ይኹን መመኽነይታ ክወሃበሉን ክዕገትን ኣይግባእን'ዩ። ናይ ህዝቢ ኤርትራ መሰል ስለዝኾነ። ኣነ ከም ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህግደፍን ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን፡ ብመሰረት ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ውሳነታት እድግፎን ንትግባርኡ ክሰርሕን እየ። ሰልፍታት ክመጽእ ድዩ? እንተ መጺኡ'ኸ መዓስ ክመጽእ ይኽእል... ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት፡ እቲ ኩነታት ዝምልሶ እዩ። ኣብ'ዚ ዓመት'ዚ ክመጽእ ዝኽእል እንተኾይኑ ይምጻእ። ድሕሪ ዓመት እንተመጺኡ ጽቡቕ፡ እንተ ዘይመጺኡ ጽቡቕ። ሓላፍነትና ከም ህግደፍ፡ ብሕግን ቅዋምን ተቐይድና፡ ምዘëእ ሃዋህው ምፍጣርን፡ ህዝቢ ኣብ ፖለቲካ ህይወት ሃገሩ ክሳተፍ ምእንቲ፡ ኣገዳስነቱን ጥቕሙን ብቅኑዕን ክፉትን ክትዕ ከም ዝፈልጥን ከምዝመሃርን ምግባር ኽውን ኣለዎ። ብድሕሪኡ ምርጫ ናይ ህዝቢ ይኸውን።
“ሕጂ ኩነታት ስለዘየፍቅድ ሰልፍታት ክመጻ ኣይክእላን እየን። ህዝብና ደረጃ ንቕሓቱ ትሑት ስለ ዝኾነ፡ ሕጂ ሰልፍታት ክjማ ኣይክእላን እየን።ዎ ምባል፡-

 

1. ህዝቢ ኤርትራ ብድሌቱ ብንቕሓቱን ብኹሉ ዓቕሙን ቸሊሱ፡ ድሕሪ 30 ዓመት ናጽነቱ ዝጨበጠ ህዝቢ'ዩ። ድሕሪ ናጽነት'ውን እንተኾነ፡ ምስ ኩሉ ዝነበሮ ቅሬታታትን ዕቃበታትን ኣብ ኣሰራርሓና፡ ወራር ወያነ ምስ መጸ ብሓደ ድምጺ ተላዒሉ ልኡላውነቱ ዳግም ዘረጋገጸ ህዝቢ እዩ። ሕጂ ኣብ ምቐüም ሰልፍታት ምስ በጽሐ፡ “ኣይነቕሐን፡ ኩነታት ኣየፍቅድን'ዩ...ዎ ምባል፡ ካብ ንህዝቢ ኣትሒትካ ምርኣይ፡ ካብ ጸርፊ ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ክወሃቦ ኣይክእልን እዩ።
2. ወይ ድማ፡ ናይ ህግደፍ ተቐባልነት ብህዝቢ፡ ኣብ ዓቢ ምልክት ሕቶ ስለዘሎ፡ ካብ ስግኣት ዝተላዕለ ክመስል ይኽእል። እዚ እንተኾይኑ ድማ፡ እቲ ፍታሕ ህግደፍ ብኣሰራርሕኡን ኣካይድኡን ህዝቢ ከምዝቕበሎ ምግባር ጥራይ እዩ።
ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ማለት'ኳ፡ ሓደ ሃገር(ህዝቢ) ኣብ ክንዲ ብሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ዝjመ ስርዓት(መንግስቲ) ጥራይ ዝመሓደር፡ እቲ ነቲ ስርዓት ዘቕውም ውድብ፡ ሓደ ምስ ዝኽውን'ሞ፡ ሓደ ኮይኑ ከኣ፡ ሃንቀውታን ድሌትን ህዝቢ ዘየማልእ ምስ ዝኸውን፡ ካልእ ኣማራጺ ውድብ ክምስረትን፡ ብኣሰራርሕኡን ኣካይድኡን ህዝቢ እንተደጊፍዎ ድማ፡ ከም መወዳድርቲ ብሕግን ብመሰረት ቅዋምን ንሃገራዊ ረብሓን ሓድነትን ዝሰርሕ፡ ብክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝjመ ስርዓት ማለት'ዩ።
ብዙሕነት ሰልፍታት ኣብ ዓለም፡ ብፍላይ ኣብ'ተን ዝማዕበላ ሃገራት ሰሪሑን ይሰርሕን ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ምስ በጽሐ፡ ዘይሰርሓሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ? እቲ ዝድለን ዝሕተትን ብሕግን ስርዓትን፡ ብቅዋምን ሕግታት ሰልፍን ተቐይድካ ምስራሕ እዩ። እዚ ድማ፡ ንኽጅምር ጥጡሕ ባይታ ምንጻፍ፡ ብመሰረት ተነጺፉ ዘሎ ሕጊ ሰልፊ፡ ከም ዝሰርሕ ምግባር'ምበር፡ ከይ ጀመረ ከሎ ንኸይጅምር፡ ንኸይመጽእ ዘምስል፡ ኣብ ህዝቢ ስክፍታታት ዘሕድር መግለጺታት ክወሃብ ኣይግባእን። ዝኾነ ነገር ከይ ጀመረን ከይተበገሰን ክትፈርዶ፡ መደምደምታ ክግበሮ ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣይግዜኡን እዩ፡ መወዳእታ የብሉን። መልሲ'ውን ኣይኮነን። ብስም ዝናን ታሪኽን ህ.ግ.ሓ.ኤ ምንባር ኣይከኣልን እዩ።
መቓልሕ፡- ብዛዕባ ትካላዊ ኣሰራርሓ፡ ኣብ ግንባር ይኹን ኣብ መንግስቲ ብዙሕ እዩ ዝዝረብ? ንስኻ'ኸ ከመይ ትርእዮ?

ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- መሰጋገሪ ቅዋም ናይ ግንባርን መንግስትን ኣሎና። ኣብ tርተር ናይ ህግደፍን፡ ኣብ መሰጋገሪ ቅዋም መንግስቲ ኤርትራን፡ ንቅርጽን ኣቃውማን ዝምልከት ዓንቀጻት ብንጹር ሰፊሩ ኣሎ። ስልጣንን ሓላፍነትን ክልቲኡ ባይቶታት፡ ስልጣንን ሓላፍነትን ካቢነ ሚኒስተራት... ወዘተ እንታይ ምዃኑ ኣብቲ ቅዋም ተነጺሩ ኣሎ። ግን፡ ሰሪሑ ክበሃል ኣይክእልን እዩ። ትካላት ውሽጣዊ ናጽነተን ሓልየን፡ ባ ጀትን ተሓታትነትን ምቁጽጻር እናተገብረለን፡ ብቑዓት ሓለፍቲ ተመዲቦምለን፡ ብሕጊ ዘይሰርሓ እንተኾይነን ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣሎ ክበሃል ኣይክእልን እዩ። ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ፡ ካልእ ሕቶ ኮይኑ፡ ሓቅነቱ ወይ እቲ ምኽንያት፡ ንህዝቢ ክግለጽ ኣለዎ። ህዝቢ ብዛዕባ'ዚ ክፈልጥ መሰሉ እዩ። ክሓተሉ ድማ፡ ግቡኡ እዩ። ኣብ ህግሓኤ ብውድብ ደረጃ፡ ብጽብብ ዝበለ መልክዑ ይኹን እምበር፡ ሓያላት ትካላትን ሓያል ትካላዊ ኣሰራርሓን ነይሩና እዩ። ብኣወዳድብኡ፡ ብሕጋዊ ኣሰራርሕኡ፡ ብግሉጽነቱን ምቁጽጻሩን፡ ብኣረኣእይኡን ነብሰ-ምትእምማን ዝመልኦ

ኣካይድኡን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብግብሪ ኣእሚኑ፡ ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉ፡ ነጻ ኤርትራ ክውን ምግባሩ፡ ህያው ምስክር እዩ። ንዓለምን ንጸላእትን ከይተረፈ ዘገረመ ትካላዊ ኣሰራርሓ ከኣ'ዩ ነይሩ።
መቓልሕ፡- ኣብ'ዘን ዝሓለፋ 6-7 ዓመታት ብዛዕባ ጉቦን ምጥፍፋእን ብዙሕ ተዘሪቡን ተጻሒፉን'ዩ። ፕረዚደንት ኢሳያስ'ውን ምስ ጋዜጣ ናጽነት ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ እቲ ዝዓበየ ኲናት ናይ'ዛ ሃገር ብልሽውና ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ። ኣብ ግንባርን(ህግደፍ) መንግስትን ጉቦን ምጥፍፋእን ከመይ ትርእዮ? ኣሎ ኢልካ'ዶ ትኣምን?
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- መ ጀመርያ ጉቦ፡ ብልሽውና(corruption) እንታይ ማለት እዩ። ብዙሕ መልክዓት ናይ ጉቦ ኣሎ። ኣነ ብወገነይ ብውሑዱ ክልተ መልክዓት ናይ ጉቦ ክገልጽ እኽእል።
1. ሓደ ሰብ ወይ ጉጅለ ናይ ሰባት፡ ብውልቂ ወይ ብጉጅለ፡ ንውልቃዊ ወይ ጉጅለኣዊ ረብሓታት ክብል(ክብሉ)፡ ንኻልእ ሰብ ወይ ሰባት ገንዘብ፡ ብገንዘብ መልክዕ ፡ ህያብ ምሃብ ወይ ምቕባል ኽውን ይኽእል።
2. እቲ ካልኣይ መልክዕ ጉቦ(ብልሽውና)፡ ናይ ሞራል ጉቦ ይበሃል። እዚ ድማ፡ ሓደ ሰብ ሰባት ንኽፈትውዎ ወይ ክስዕብዎ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ፡ ንኻልኦት ሰባት ዝኾነ ዓይነት ሓለፋታት(privileges)፡ ዋላ ብዘይኮነ መንገዲ ምውዳስ ከይተረፈ ጉቦ እዩ። ናይ ፍናን ጉቦ ድማ፡ ይበሃል። እዚ ን20 ዓመት ኣብ ሳሕል ዝተማሃርኩዎ ስነ-ምግባር ስለዝኾነ ኣይርስዖን እየ። ኣብ'ቲ ሕቶኻ ክምለስ፡
1. ኣብ'ታ ቀዳመይቲ ጉቦ የልቦን ክብል ኣይደፍርን እየ። ምኽንያቱ፡ ሓበሬታ ክሓጽረኒ ስለዝኽእል። ንዓመታት ዝተዘርበሉ ጉዳይ ስለዝኾነ ግን፡ እቲ ቅኑዕ ኣገባብ ዝብሎ፡ እቲ ፍጻመ ምስ ኣጋጠመ ኣብ እዋኑ(ሓቂ እንተኾይኑ)፡ መን ጉቦ ሂቡ፡ መን'ከ ጉቦ ተቐቢሉ፡ ኣብ ህዝቢ ምግላጽ፡ ህዝቢ ከም ዝፈልጦን ከምዝመሃረሉን ምግባር እዩ። ካብ'ዚ ሓሊፉ፡ ብዛዕባ ጉቦ ምዝራብ ጥራይ፡ ኣብ ጥርጥር ዘእቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጉቦ እምበኣር የልቦን ዘብል'ውን ኽውን ይኽእል።
2. ኣብ'ቲ ካልኣይ መልክዕ፡ ጉቦ ወይ ናይ ፍናን ጉቦ ክኣቱ። ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብጭቡጥ ኣሎ። እዚ ድማ፡ ብሕግን ብትካላዊ ኣሰራርሓን ተቐይድካ ካብ ዘይምስራሕ፡ ብባ ጀትን ብተሓታትነትን ካብ ዘይምስራሕ...ወዘተ ዝመጽእ እዩ። እዚ ከኣ፡ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ኣሰራርሓና፡ ደቂቕ ገምጋም ብምግባር ጥራይ ክዝረበሉ፡ ክፍለጥን ክግለጽን ዝከኣል እዩ። በዚ ኮይኑ በቲ፡ ኤርትራ ሃገርና ካብ ጉቦን ብልሽውናን ናጻ ክትከውን ንኽተሎ ዘሎና ፖሊሲ፡ ቅኑዕን ኣብ ቦትኡ ዘሎን እዩ። ነዚ ዝሕግዝ ግን፡ ጉቦ ኣብ ዝርከበሉን ዝርኣየሉን፡ ከይወዓለ ከይሓደረ ብሕጊ ብጭብጢ ከምዝተሓዝን፡ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝውሰደሉን፡ ስጉምቲ ምስ ተወስደሉ ድማ፡ ብኡ ንብኡ ኣብ ጋዜጣ ይኹን ተለቪዥን ከምዝግለጽን፡ ወይ ብዝጥዕም መንገዲ ህዝቢ ከምዝፈልጦን ክግበር ኣለዎ። ከም'ዚ ምስ ዘይግበር ግን፡ ከም'ቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ፡ ህዝቢ ክጠራጠርን፡ ንኸይተኣማመን ዝግበር ዘሎ ኣሰራርሓ'ምበር፡ ጉቦ እምበኣር የለን ከብል ዝኽእልን እዩ። ወይ እውን እዚ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ጉቦ ዝዝረብ ዘሎ፡ ካልእ ፖለቲካዊ ዕላማ ኣለዎ ከስምዕ ይኽእል።
መቓልሕ፡- ንኣድላይነት፡ ዕማም፡ ብቕዓትን ሕጋውነትን ፍሉይ ቤት ፍርዲ ከመይ ትግምግሞ?
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ኣብ መ ጀመሪያ 1996 ጉቦ ሳዕሪሩ ዝብል ግኑን ኣዘራርባታት ስለዝነበረ፡ ኣነ'ውን ኣብ ምክልኻል ስለዝነበርኩ፡ ንፍሉይ እዋን ነቲ ዝተባህለ ዕላማ ንምውቃዕ(ጉቦን ምጥፍፋእን ንምቁጽጻር) ተባሂሉ ዝjመ ምንባሩ እፈልጥ። ብድሕሪኡ ግን፡ ንነዊሕ እዋን፡ ብፍላይ ክሳብ ሕጂ ምቕጻሉ ዘይግባእ'ዩ። ኣነ ከኣ፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ዓቕምን ኣሰራርሓን ስለዝፈልጦ ሕጂ ክህሉ ኣይግብኦን'ዩ። ብርእይቶይ፡ እዚ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ዝበሃል ክፈርስን፡ ብመሰረት ቅዋምና ከኣ፡ ሓደ ብቑዕ ዝኾነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክቐውም ኣለዎ እብል።
መቓልሕ፡- ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ሃገሩ ከመይ ትርእዮ? ህዝቢ ብዛዕባ ሃገሩን መንግስቱን ብኸመይ ይግምገም? ዕግበቱ ክሳብ ክንደይ እዩ ኢልካ ትኣምን?
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ብዛዕባ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገሩን መንግስቱን፡ ህዝቢ ባዕሉ ክምልሶ ዝግባእ'ኳ እንተኾነ፡ ከም ኣባል ክልቲኡ ባይቶታት፡ ንህዝቢ ወኪለ ዝፈልጦ ክዛረብ እኽእል እየ። ኣብ'ዚ ብንጹር ክፍለጥ ዘለዎ፡ ህዝቢ ብዛዕባ ሃገሩን ህዝቢ ብዛዕባ መንግስቱን ክበሃል ከሎ፡ ክልተ ዝተፈላለየ ሕቶታት ምዃኖም ክፍለጥ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ኣብ ሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪ፡ ወንን ሓልዮትን፡ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ብመስዋእቱ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ውግእ ኣንጻር ወያነ ብግብሪ፡ ብመስዋእቲ፡ ብሓድነቱን ዳግም ኣረጋጊጽዎ። ስለ'ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ዘለዎ ኣረኣእያን ተሳትፎን፡ ብግብሪ ብሓድነቱ፡ ብመስዋእቱ ስለዘረጋገጸ፡ ሓድነትን ተሳትፎን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ፡ ኣብ ሕቶ ምልክት ዝኣቱን፡ ምስ ካልእ ዕላማታትን ክደባለቕ የብሉን። ዝተመለሰ ሕቶ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ውድቡ፡ ግንባሩን መንግስቱን ግን፡ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ክህልዎ ይኽእል እዩ። እዚ ምስ ኣካይዳን ኣሰራርሓን ናይ'ቲ ግንባር ወይ መንግስቲ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ እዩ። ኣብ 60'ታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም እንኮን ፈላምን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉ ህዝቢ ወይ ዝበዝሕ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ደጊፍዎ ስዒብዎ። ኣብ 70'ታት ህ.ግ.ሓ.ኤ ከም ውድብ ምስ መጸ፡ ህዝቢ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ተ.ሓ.ኤ ስለዘየዕገቦ፡ ንህ.ግ.ሓ.ኤ ከም ቅኑዕን ሃገራውን ውድብ፡ ብመትከሉን ብውሽጣዊ ኣሰራርሕኡን ዝበዝሕ ህዝቢ ስዒብዎ፡ ናጽነት ድማ ኣምጺኡ። ሕጂ'ኸ ህግደፍ ብኣካይድኡን ተግባራቱን ክንደይ ካብ ህዝቢ ኤርትራ የዕግብ ኣሎ? ህዝቢ ህግደፍ ብኣሰራርሕኡን ብውሽጣዊ ሓድነቱን ኣየዕግበናን እዩ እንተበለ'ኸ እንታይ እዩ ሓጥያቱ? ኣሰራርሓና ዲና ክንእርምን ከነመሓይሾን ዘሎና፡ ወይስ ህዝቢ ኣይትዛረብ ኢልና ብሓይሊ፡ ብጸቕጢ ክስዕበና ኢና ክንሓስብ ዘሎና? ስለምንታይ እዩ ህዝቢ ብዛዕባ ሓድነት ግንባር ወይ መንግስቲ ዝጠራጠር ዘሎ። ሓደ ካብ'ቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይ'ዚ፡ ኣብ መሪሕነት ፍልልያት ስለዘሎ እዩ ኮይኑ ዝረኣየኒ። ህዝቢ ኤርትራ ንህግሓኤ ኣሚኑ ክስዕቦ እንከሎ፡ ኣብ መሪሕነቱን ኣመራርሕኡን እምነት ስለዝነበሮ እዩ። መሪሕነት ህግሓኤ ኣብ ውሽጡ ፍልልያት ኣይነበሮን። እንተነይርዎ ድማ፡ ኣዝዮም ንኣሽቱን ካብ ውሽጡ ብዝኾነ ተኣምር ዘይወጹን እዮም ነይሮም። ድሕሪ ናጽነት ግን፡ እቲ ምኽንያት ንጎኒ ኣጽኒሕና፡ ፍልልያት ኣብ ውሽጢ መሪሕነት፡ ኣብ ጎደናታት፡ ኣብ ህዝቢ ተዘርጊሑ፡ ህዝቢ ነዚ ፍልልያት'ዚ እናረኣየ፡ ብዝመሰሎን ብዝርድኦን ክገልጾን ክትንትኖን ጀሚሩ። ምኽንያቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኣቃውምኡን እምነቱን ዘይከይድ ኣሰራርሓ፡ ምስ እምነቱን ባህሉን ዘይከይድ ስነ ምግባር፡ ዝኣምኖምን ይውክሉኒ እዮም ዝብሎምን፡ ኣብ'ቲ ምውሳን መንግስታዊ ኣካላት እንተዘይሪኡ ክጠራጠርን ዕቃበታት ክርእን ግድን እመስለኒ። ብዘይካ'ዚ ህዝቢ፡ ንሃገር ዝምልከቱ ዝተፈላለየ ሕቶታት ዝዛረበሎምን ዘዕዘምዝመሎም የለውን ክበሃል ኣይክኣልን እዩ። ሓደ ካብኦም ሕቶ ቋንቋ እዩ። ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ይኹን፡ ሕጂ ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ዝስርሓሉ ዘሎ ፖሊሲ፡ “ኩለን ብሄራት ኤርትራ፡ ብቋንቋ ኣዲአን ክመሃራ ኣለወን።ዎ ዝብል እዩ። ፖሊሲ ግን፡ ክቕየር፡ ክመሓየሽ ይኽእል እዩ። ደረቕ፡ ዘይቅየር ፖሊሲ የለን። ሕጂ ሕቶ ቋንቋ ተላዒሉ ይዝረበሉን፡ ኣብ ጋዜጣታት ይጸሓፍን ኣሎ። ሓንሳብ ከም ፖሊሲ ስለ ዝሓዝናዮ፡ ብኡኡ ክንደርቕ ድዩ ዘሎና?

“ኣነ ትግርኛ ተዛራቢ እየ። ብቋንቋ ኣደይ ይኹን ብዝጥዕመኒ ቋንቋ ክመሃር ኣሎኒ።ዎ ኢለ ክማጎት መሰል ኣሎኒ። ንኻልኦት ብሄራት፡ “ናይ ግድን ብቋንቋ ኣዴኽን ኢኽን ትመሃራ።ዎ ክብለን ግን፡ ክሳብ ክንደይ ዓቕምን መሰልን ኣሎኒ፡ ምልክት ሕቶ እዩ። ቋንቋ ኣካል ባህሊ እዩ። ቋንቋ ይኹን

ባህሊ ምስ እምነትን ካልእ ረቐüሒታትን ተኣሳሲሩ ዝኸይድ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ነቲ ዝምልከቶ ክፋል ሕብረተሰብና ንኽዝትን ንኽውስንን ዕድል እንተተዋህበ ጽቡቕ እመስለኒ። “ደቅና ብቋንቋ ዓረብ ኢና ነምህር።ዎ እንተበሉ እንታይ ጉድኣት የምጽኣልና?
ካልእ ምስ ተሳትፎ ህዝብና ኣብ ፖለቲካ፡ ብዙሕ ይዝረብን ይስማዕን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንሃብቲ፡ ጸጋ(ብኹሉ መልክዓቱ) ሃገሩ፡ ፍረ ጻማ ናይ ቃልሱን መስዋእቱን ብማዕረ'ዶ የስተማቕሮ ኣሎ? ብናትና ናይ ህግደፍ ኣካይዳ፡ ግብራዊ ኣሰራርሓ፡ ብዛዕባ ፍትሕን ማዕርነትን፡ ሕጉስን ቅሱንን ድ'ዩ ዘሎ ህዝቢ? ረጊኡ ብዘይ ስክፍታን ምጥርጣርን ድ'ዩ ዝነብር ዘሎ? ...ዝብሉን ዝተፈላለዩ ጉዳያትን ህዝቢ ብነጻ ክዛረበሎምን ክዝትየሎምን፡ ክፉትን ጥጡሕን ባይቶ ሃዋህው ክንፈጥረሎም ይግባእ።
መቓልሕ፡- ብምኽንያት 10ይ ዓመት ናጽነትና፡ ብመንገዲ ጋዜጣ መቓልሕ ከተመሓላልፎ እትደሊ መልእኽቲ እንተሎ?
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- እዚ በዓል'ዚ ድርብ በዓል'ዩ። ድርብነቱ ድማ፡ ዓሰርተ ዓመታት ናጽነት እንዝክረለን ኣብ'ቲ ወያነ ዝኸፈተልና ወራር መኪትና፡ ልኡላውነትና ዘረጋገጽናላን ስለዝኾነት፡ ኣብ ግዜ ሰላም ነብዕሎ ምህላውና'ዩ። ስለ'ዚ፡ ንህዝብን ጅግና ሰራዊትን ኤርትራ ዮሃና እናበልኩ፡ ነታ ትምነያ፡ ምዕብልቲ፡ ሰላማዊት፡ ዲሞክራስያዊትን ቅዋማዊትን ሃገር ንምምስራት የብቅዓካ እብል።
የቐንየልና ሜ/ ጀ ብርሃነ

 

 

 

 



 

 

 

 

[Back to the Table of contents]-------- [NEXT PAGE]